Print this page

ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ሲቪክ ማሕበር - ቦስተንን ከባቢን ነዚ ኣብ መላእ ሃገር ዚካያድ ዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ይኹንን

2015-03-24 22:31:51 Written by  ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ሲቪክ ማሕበር - ቦስተንን ከባቢን Published in Community Center Read 4608 times
Rate this item
(1 Vote)

ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ብዓወቱ ሓጎሱ ከይወደአን፡ ብመስዋእቲ ደቁ ሓዚኑ ከይተደበሰን፡ መብጽዓ ስውኣት ተጠሊሙ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሕጊ-ኣልቦ ውልቀ ምሕደራ፡ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን መዳርግቲ ኣብ ዘይርከቦ ጭቆናን መግዛእትን ወዲቓ ትርከብ። እዚ ሕጊ-ኣልቦ ውልቀ-ምሕደራ’ዚ፡ ጸጋታት ሃገር ተጠቂሙ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሙ ኣደልዲሉን ናይ ስለያ መጋበርያታቱ ኣዋፊሩን፡ ስድራ-ቤታት ኣብ ምብትታንን ሃገር ኣብ ምዕናውን ኣብ ቀጻሊ ተግባር ተጸሚዱ ይርከብ።

ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ደርብዩ፡ ኤርትራ ብዘይ ቅዋም ንልዕሊ 23 ዓመታት ክትመሓደር ምግባር፡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ብግፍዒ ምእሳርን ምሕቃቕን፡ ዓያዪ ዓቕሚ ሰብና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ብምቑራን ተስፋ ቆሪጾም ንኣደዳ ሕሱም ስደት ከምዝቃልዑ ምግባር፡ ነጋዶን ክኢላታትን ኣሰናቢዱ ሃገር ገዲፎም እንዳማቶም ሃገር ንኸማዕብሉ ምድፍፋእ፡ ጸጋታት ህዝብን ሃገርን እናመንዘዐ ኣብ ወጻኢ-ሃገር ባንክታት ብመሻርኽቱ ውልቀ-ሰባት ስም ከምዝቕመጥ ምግባር ወዘተ እዚ ኩሉ ገለ ኣብነታት መግለጺ ናይቲ ኣዕናውን በታንን ኣካይድኡ ኢዩ። ኣብዚ ቅንያት’ዚ እንሰምዖ ዘሎና “ምፍራስ ኣባይቲ” በብ ዓዱ (ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ጸሎት፡ዳዕሮቃውሎስ፡ዓዲ ቀይሕ ደቀምሓረ፡ሰንዓፈ፡ወዘተ..) ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ጸይቂ ኣካይድኡ ኢዩ። እቲ ዘስደምም ከኣ፡ ብልዕልና ሕጊ ዘይኣምን ክነሱ፡ ንኩሉ’ቲ ኣቀዲሙ ዝፈጸሞ ይኹን ሕጂ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራቱ ንምሽፋን ዝጥቀመሉ መመኽነይታ፡ ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ዝብል ጉልባብ ኢዩ። ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኮሓል ከምዝበሃል።

ተቐማጦ ዓዲ ቐይሕ ዘርኣይዎ ተቓውሞን መኸተን ከኣ፡ ሓደ መግለጺ ናይቲ ዝተገፍዐ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ግብረ-መልሲ ኢዩ። ብዘርኣይዎ ተባዕ መኸተ ከኣ ጀጋኑ ብኣኹም ተሓቢና ክንብሎም ንፈቱ። ንስድራ ቤት ምዉታት ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብለ። ይኹን’በር እዚ ኮነ ኢሉ ሃገር ኣብ ምዕናውን ህዝቢ ኣብ ምብራስን ተጸሚዱ ዝርከብ ስርዓት ብዝተበታተነን ዝተጎጃጀልን ቃልሲ ምምካቱ ዘይከኣል ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።

ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታት ዘረጋግጽን፡ ዲሞክራስያዊ መሰል ዜጋታት ዘውሕስን ፓለቲካዊ ሃዋሁዉ ንምፍጣር ዝሕግዝ ኩሉ ዝሳተፎ መሰጋገሪ መንግስቲ/ስርዓት ኣብ ሃገርና ክሳዕ ዝምስረት፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና፡ ፖለቲካዊ ፍልልያቱ ንጊዚኡ ኣወንዚፉ ጸጋታቱን
ዓቕምታቱን ኣወሃሂዱ ኣትሪሩ ክቃልስ የድሊ።ስለዚ ዋሕስ ዓወትና ስምረትና ካብ ኮነ፡ ንኣድማዒ ተቓውሞ፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መጸዋዕታና ነቕርብ።

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማኣታትና
ኤ.ኣ.ሲ.ማ ቦርድ
ቦስተን፡፡

Last modified on Tuesday, 24 March 2015 23:36