ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 እንኣትወሉ ዘሎና ፣ እቲ ቀንዲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክዕውትና ዝክእል መንእሰያትና ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ክውደቡ እንተ በቂዖም ጥራሕ እዩ። ምክንያቱ ከይተወደበ ዝተዓወተ ምንቅስቓስ የለን ። ውደባ ክብሃል እንከሎ ግን ኣብ ልዑላዊ ራኢ ሕመረት ዝገበርን ብቁጠባዊ ዓቅሚ ዝተሃንጸን ሓጺናዊ ዲሲፕሊን ክውንን እንከሎካ ጥራሕ እዩ ። ሃገራዊ ዕማም ናይዚ ውደባ እዚ ንጉጂለ ህግደፍ ኣወጊድካ ፍትሕን ማዕርነትን ዝነገሳ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ምህናጽ እዩ ።ውደባ ብኣውራጃ ፣ ውደባ ብሃይማኖት፣ ወደባ ብብሔር ፣ ውደባ ንጥቅምን ረብሓን ኩሉ ናይ ትሕቲ ሃገራውነት ንዝተቀበለ ዜጋ ጥራሕ እዩ ።