መግለጺ ሓዘን ኣብዚ ቀረባ ናይ ዝሓለፉ ኣባላት ሰዲህኤ

መግለጺ ሓዘን ኣብዚ ቀረባ ናይ ዝሓለፉ ኣባላት ሰዲህኤ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዝተሰውኡ ኣባላቱ ህብትዝጊ ዓንዱ ድራርን ምሉጌታ ኣብርሃን ዝተሰምዖ ሓዘን መሪር እዩ።  ሓው ህብትዝጊ ብ11 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ስዑድ ዓረቢያ ክዓርፍ እንከሎ፡ ሓው ምሉጌታ ኣብርሃ ከኣ ኣቐዲሙ ብ13 ነሃሰ 2026 እዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፉ።

ስዉእ ህብትዝጊ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ዝኾነ ጸገማት ተጻዊሩ ኣብ ግሁድን ምስጢራውን መድረኻት፡ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ  ኩሉ ግቡኣቱ ክፍጽም ዝጸንሐ ውፉይ እዩ ነይሩ።

ስዉእ ምሉጌታ ኣብርሃ ከኣ ብዘይካቲ ካብ ግዜ ውግእ ባድመ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘበርክቶ ዝነበረ፡ ድሕሪኡ እውን  ኣብ መደበር ስደተኛ ታት ኤርትራውያን ማይ ዓይንን ኣለምዋጭን ተዓቚቡ ኣብ ዝነበረሉ ግዚያት’ውን ካብ ቃልሲ ከይበኾረ ኣገደስ ናይ ቃልሲ  ሓበሬታ ዘስንቕ   ዝነበረ እዩ። ምሉጌታ ብሞያ ናይ ሕርሻ ክኢላ እዩ ነይሩ።

በዚ መሰረት መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ናይዞም ኣሕዋት ሓዘን ተኻፈልቲ ብምዃን፡  ንስዉኣት መንግስተሰማይ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይምነዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

13 ጥቅምቲ 2026