ህግደፍ ብዛዕባቶም ዝሰወሮም ጋዜጠኛታት ሓቀኛ ሓበሬታ ንክህብ፡ ደረስትን ጸሓፍትን፡ ጸዊዕም

ህግደፍ ብዛዕባቶም ዝሰወሮም ጋዜጠኛታት  ሓቀኛ ሓበሬታ ንክህብ፡ ደረስትን ጸሓፍትን፡ ጸዊዕም

ገለ ካብቶም  ናይቲ ደብዳበ ከተምቲ

ልዕሊ 118 ጸሓፍትን ደረስት ካብ መላእ ዓለም፡ ብዛዕባቶም ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ጀሚሮም ብሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ ምእሳሮም ተሰዊሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሓቀኛ ሓበሬታ ንክህብ ዝጸውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምጽሓፍ መጸዋዕታኦም ከም ዝሕደሱ ጋዜጣ ዘጋርዲያን ሓቢራ።

ካብቶም ኣብቲ መጸዋዕታ ዝኸተሙ ናይ ኖቤል ተሸለምቲ፡ ኦላጋ ቶካረዙክን ጂም ቾየትዚ ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ኮልም ቶይቢን፡ ኣሊፍ ሻፋክ፡ ኢሳበል ኣለንንደ፡ በን ኦክሪ፡ ያን ማርተል፡ ካሚላ ስሃሚዝን ጺንጺን ዳንጋረምበርግን ዝተባህሉ ፍሉጣት ደረስቲ’ውን ካብቶም ፈረምቲ ምዃኖም እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።

እቲ ደብዳበ ብ18 መስከረም 2026፡ መበል 25 ዓመት ናይቶም ድሕሪ ማእሰርቶም ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝኽሪ መሰረት ብምግባር፡ ፔን ኢንተርናሺናል (PEN International) ብዝተባህለ ትካል ዝተዳለዎ እዩ። እቶም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝተኣስርሉ ግዜ፡ ነጻ ፕረስን ድምጺ ህዝብን ኣብ ኤርትራ ከም ዝተዓጽወ፡ ኣብቲ ናብ ኢሳያስ ዝተላእከ  ደብዳበ ምጥቃሱ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። ኣብቲ ደብዳበ ናይቶም ቅድሚ 25 ዓመት ግዳይ ማእሰርቲ ዝኾኑ 12 ኤርትራውያን ጋዜጣኛታት  ተዘርዚሩ።

እቶም ግዱሳት ክኢላታት ፈረምቲ፡ ኣብቲ ዝለኣኽዎ ደብዳበ፡ “ዝኾነ ጸሓፊ ሓሳቡ ስለ ዝገለጸ ክስወር ኣይግበኦን” ክብሉ ጠቒሶም፡ ክሳብ ዝፍትሑ፡ ምስቶም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ዘለዎም ምሕዝነትን ደገፍን ቃጻሊ ምዃኑ ኣስፊሮም። ነዚ ደብዳበ ዘዳለወ ዓለምለኻዊ ትካል ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዕታ ናብ ሓለፍቲ ኤርትራ ዘቕርብ ዘሎ ናይ መጀምርያኡ ከም ዘይኮነ ከኣ ኣብቲ ደብዳበ ተሓቢሩ።

ፕረሲደንት ዓለም ለኻዊ ትካል ፔን ኢንተርናሺናል፡ ቡርሃን ሶንመዝ፡ ብወገኑ ንሓደ ስድራቤት ዝተኣስረ  ኣባል ቤተበሰቡ ኣብ ከይመ ኩነታት ከምዘሎ ዘይምፍላጥ ክትግምቶ ዘጸገም እዩ ክብል ገሊጽዎ። ስለዚ ድማ እዞም ዝተሰወሩ ጸሓፍቲ ካብ ኣእምሮና ኣይርስዑን እዮም ኢሉ፡ ናታቶም ኣስማቶም ካብ ምጽዋዕን ኩነታቶም ንክፍለጥ ካብ ምሕታትን ኣይከነቋርጽን ኢና ኢሉ።