ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ህዝባዊ ምትሕብባር ንህልውና (ህዝባዊ ምትሕብባር)” ዝተባህለ፡ ሓድሽ ጸረ መንግስቲ ብልጽግና ግንባር ከም ዝተመስረተ፡ ብ20 መስከረም 2026 ብኣቶ ዘመነ ካሰ ብዝቀረበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ። ናይዚ ብልጽግና ንምውጋድ ሓቢሩ ከም ዝቃለስ ዝገለጸ ህዝባዊ ግንባር ኣባላት፡ ኣምሓራ ፋኖ ብሄራዊ መንቅስቓስ፡ ሰራዊት ሓርነርት ኦሮሞን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝርከብዎም ሸውዓተ ጸረ ብልጽግና ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለዎም ውድባት ምዃኖም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ።
እቲ መግለጺ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሰልፊ ብልጽግናን ውልቀ መራሒ ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ምውዳቓ ጠቒሱ፡ ናይ ሰባት ህልቂት፡ ጸቢብ ዓሌታውነትን ድኽነትን መለለይኣ ኮይኑ ከምዘሎ ኣስፊሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኢትዮጵያ ኣብ መሪሕነት ብምጽግና ሕግን ስርዓትን ዝተሓረማን ሚልዮናት ካብ ህዝባ ኣብ መከራ ዝወደቑላን ሃገር ኮይና ከምዘላ’ውን ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ኢትዮጵያ ናብ ከቢድ ቁጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ተመርሕ ከምዘላ ከኣ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተንጸባሪቑ።
እቲ ዝምስረት ዘሎ “ሰፊሕ” ዝተባህለ ግንባር፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ብልጽግና ናይ ኢትዮጵያ ጸጥታን ምርግጋእ ንምውሓስ ኣሳታፊ መሰጋገሪ ምምሕዳራዊ መስርሕ ከም ዝኽተል ሓቢሩ። ካብ ናይቲ ዝምስረት መሰጋጋሪ መምሕዳር ዕማማት ከኣ፡ ምዕቃብ ህልውናን ድሕንነት ህዝብን ምውሓስ መሰረታዊ ድሌት ህዝብን ከም ዝርከብዎም ጠቒሱ።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ናብ መላእ ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኢትዮጵያ፡ ናብ ላዕለዎት ሰብ መዝን ሰራዊትን መግስቲ፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕብረተሰብ ዓለምን ናይ ምትሕብባር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ዝተፈላለዩ ምስ ህወሓት ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎም መድያታት ከም ዝሓበርዎ፡ ናይቲ ግንባር ኣቦመንበር ዘመነ ካሰ ካብ ፋኖ ኣምሓራ ኣቦመንበር፡ ኩማ ደሪባ ካብ ሰራዊ ሓርነት ኦሮሞ ምክትል ኣቦመንበር፡ ደብረጼን ገብረሚካኤል ካብ ህወሓት ድማ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ኣብ ቅድሚት ዝመርሑ ሓለፍቲ ከም ዝኾኑን ናይተን ዝተረፋ ውድባት ሓለፍቲ ድማ ኣባላት መሪሕነት ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እዚ ብናይ ቀረባ ምክትታል ምምሕዳር ህግደፍ መንግስቲ ግብጽን ከም ዝተመስረተ ዝንገረሉ ግንባር፡ ናይ ብልጽግና ብዓብይኡ ኮይኑ፡ ካብ ብዙሓት ኣንጻር ብልጽግና ዝቃለሱ ወገናት እውን ኣርሒቑ ዝጥምት ራኢ የብሎምን ብዝብል ሓያል ተቓውሞ እዩ ዝገጥሞ ዘሎ።

