ኢማራት፡ “ወደባት ክትግብት ብዘለዋ ህርፋን” ተኸሲሳ

ኢማራት፡ “ወደባት ክትግብት ብዘለዋ ህርፋን” ተኸሲሳ

ኤርትራ ብመንገዲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያ ዑስማን ሳልሕ ኣቢላ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት “ህርፋን ምግባት ወደባት ዘለዋ” ብዝብል ከሲሳታ። ዑስማን ሳልሕ ነዚ ክሲ ዘቕረበ “ሚልድል ኢስታ አይ (Middle East Eye)” ምስ ዝተባህለት ትካል  ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ እዩ። ዑስማን ሳልሕ ኣተሓሒዙ  ሕቡራት  ዓረብ ኢማራት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣብ ጉዳይ ባሕሪ እትገብሮ ወፍርታት ካብ ኣገልግሎት ወደብ ሓሊፉ፡ ናይ ፖለቲካዊ ስትራተጂ  ህርፋን ዘለዎ እዩ ኢልዎ።

ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ብኢማራት ዝድገፉ ንዋንነት ወደብ ዝምልከቱ ዲፒ ዓለምለኸን ኤዲ ምጥጣሕ ዋንነት ወደባት ብዝብል ኣብ ግብጺ፡ ታንዛንያ፡ ሶማሊላንድን ፑትላንድ ንምስፍሕፋሕ ዘካየደቶ ፈተነታት ዞባዊ ተቓውሞ ከም ዝገጠሞ’ውን ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ መዲያታት ዝተዘርግሓ እዋናዊ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ፡ ዲፒ ዓለም ለኻዊ ዝብል ወፍሪ ኢማራት ብ2018 እዩ ብጅቡቲ ተሰሪዙ። ሱዳን ብወገናት ምስ ኢማራት ብ6 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደብ ክትሃንጽ በጺሓቶ ንዝነበረት ስምምዕ፡ ምስቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ከም እትተሓጋገዝ ምስ ፈለጠን ብ2022 መደባት  ከም ዝሰረዘቶ ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ።

እቲ ሰፊሕ እዋናዊ ጽሑፍ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ኩሉ ወደብ ናይ ምውናን ፈተነታት ምዃን ምስ ኣበያ፡ ብ2016 ምስ እስራኤል ብሓባር ኣብ ደሴት ዳህላክ ወተሃደራዊ መደበር ክትምስርት ፈቲና ከምዘይቀነዓ ጠቒሱ። ናይቲ ኣብ ጉዳይ የመን ምስ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ምትህልላኽ ኣትያቶ ዘላ ዕላማ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን።

ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና፡ ድሕሪ’ቲ ውግእ ምቁራጹ ምስ ዛሕተለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምውራር ወደብ ኤርትራ ሕቶ ከቕርብ ዝጀመረ ካብ ኢመራት ብብዝሒ ኣጽዋር ክቕበል ምስ ጀመረ ምዃኑ እውን እቲ ጽሑፍ ኣቃሊዑ። ኢማራት በይና ዘይኮነት ምስ እስራኤል ብቐረባ እናሰርሓ ንሶማሊላንድ ምድጋፈን ብወገን ኢመራት ወደብ ካብ ናይ ምርካብ ድሌት ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነ።

እዚ ሎሚ ኢማራት ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባራ ዝኸሳ ዘሎ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ እቲ ኣብ ናይ መጀመርያ መገሻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ “ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና” ብዝብል ዘሻደኖ እዩ።