ማሕብረኮም ህግደፍ ኣንጻር ተቓለስቲ ብዝመስረቶ ክሲ ተረቲዑ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ማሕበረ-ኮም ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከባቢ ሲያትል ኣብ ልዕሊ 13 ንጡፋት ናይ ለውጢ ተቓለስትን ብዙሓት ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ ኤርትራውያን መስርቲዎ ዝነበረ ክሲ ተረቲዑ እቲ ፋይል ክዕጾ ቤት ፍርዲ ከም ዝወሰነ፡ “ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና” ብ23 ነሃሰ 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣበሲሩ።
እቲ መግለጺ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድቀት ማሕበረ-ኮም ህግደፍ ዘሕጉስ ምዃኑ ጠቒሱ፡ “ሸርሕታት ስግረ-ዶባዊ ጭቖና ህግደፍ ግን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ይኹን ብኻልእ፡ ቀጻሊ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይኮንናን። መሰረት ዘይብሉ ክስታት ኣሊምካ፡ ንተቓለስቲ ደምበ ፍትሒ ኣብ ቤት ፍርዲ ኮለል ብምባልን፡ ዘይተኣደነ ገንዘባዊ ክሳራታትን ስነኣእሙራዊ ተጽዕኖታትን ብምውራድን ናይ ተቓለስቲ ንፍትሒ ናይ ተቓውሞ ወኒ ምድኻምን ናይ ብደሆ ድምጺ ምልካትን ሓደ ካብቲ ሸርሕታት ስግረ-ዶባዊ ጭቖና እዩ” ዝብል ንመጻኢ ዝምልከት መጠንቀቕታ ኣስፊሩ።
ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ፈላሚ ዓወት ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ኮም ህግደፍ አንዳ ኣስተማቐርና፡ ጎድኒ-ጎድኑ ግን መኸተና ኣንጻር ጭቆና ህግደፍ ብዝያዳ ምሕያል ክሓተና’ዩ፡ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ስግረዶባዊ ጮቆና ህግደፍ ብኹሉ ኣገባብ ኣብ ዝኾነ ግዜ ቅሩባት ክንከውን ይግበኣና ኢሉ። ናይቲ ስግረ ዶባዊ ጮቆና ዕላማ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነጠፍ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንምኹላፍ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኣፈራሪሕካ ንምድሃኹ ምዃኑ እውን እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መግለጺ፡ መደባትን ውዲታትን ህግደፍ ንምስዓር፡ ሰብኣውን ፋይናንስያውን ዓቕሚን ሓባራዊ ቃልስን ዝሓትት ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣገንዚቡ፡ ኩለ-መዳያዊ ሸርሕታት ህግደፍ ንምብዳህ፡ ዝሰፍሐ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ንክረጋገጽ ኣተሓሳሲቡ።
ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ህግደፍ ብኹሉ መልክዓቱ ንምቅዋሙን ንምስዓሩን ዝዕላምኡ፡ ሓይሊ-ዕማም መኸተ ንስግረ-ዶባዊ-ጸቕጢ ኣብ ሚያዝያ 2026 ብዝተዘርግሔ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይሊ-ዕማም ከም ከም ዝቖመ ድማ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

