ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ ኮነ፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ግዳማዊ ብደሆ ናይ ሓባሩ እምበር፡ ንዝተወሰነ ክፋል ሕብረተሰብ ወይ ከባቢ ዝምልከት ኣይኮነን። እቲ ብደሆ፡ በቲ ሓደ ወገን ወጽዓ ህግደፍ ናይ ምውጋድ፡ በቲ ካልእ ከኣ ልኡላውነት ሃገር ናይ ምዕቃብ ተልእኮ ዘለዎ ድርብ ዕማም ኮይኑ ኣሎ። እዚ ክልተ ብደሆታት ብማዕረ እትቃለሶ እምበር፡ ከምቲ ብገለ ወገናት “ነቲ ሓደ ደግፍ ነቲ ካልእ ድማ ተቓወም” ዝበሃሎ ኣይኮነን። ነዚ ንምዕዋት ካብ ህዝቢ ካብ ዝሕተቱ ሓድነቱ ኣደልዲሉ፡ “እቲ ወጽዓ ኮነ ምግሃስ ልኡላውነት ናይ ሓባር ብደሆ ዝሓትት” ምዃኑ ተረዲኡ ኣብ ቃልሱ ንቕድሚት ምምራሽ መሰረታዊ እዩ።
ህግደፍ ኮነ እቲ ኣንጻር ልኡላውነትና ዝስንትር ዘሎ ሕሱም ጐረቤት፡ ካብ ዝፈርሕዎም ሓደ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብሓድነት ምምካት ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ነዚ ንምዝራግ ከኣ “ንጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍን ልኡላውነት ሃገርን ስርዓትን ኣጣቢቑ ብምቕራብ”፡ ህዝቢ ኤርትራ ገለን ናጽነት ከምዘድግፍ ገለን ከኣ ንናጽነት ከም ዝጣበቕ ኣምሲልካ ናይ ምቕራብ ውዲታት ተፈቲኑስ ክሳብ ሎሚ ዘይተዓወተ እዩ። ኣብ ቀጻሊ ከምዘይዕወት ምግባሩ ከኣ ህዝብና ኣጽኒዑ ክሕዞም ካብ ዘለዉዎ ኣዕኑድ ቃልሲ ሓደ እዩ።
ልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርዱ ዝደልዩ ወገናት’ውን፡ ብሓድነት ህዝብና ክሰግኡ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ በቲ ዝሓልምዎ ግህሰት ዝጥቀምን ሓርነት ዝለብስን ኤርትራዊ ወገን ከም ዘሎ ኣምሲሎም ንገለ ግሩሃት ካብ ምስላል ዓዲ ከምዘይውዓሉ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመስለ ዝተሓላለኸ ኩነታት ዘጣቕዕሎምን ኣብ ብርኮም ዝድፍኡን ኤርትራውያን ክረኣዩ እንከለዉ ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዘሎ ናይ ቃልሲ ብደሆ ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸብድ ርኡይ እዩ።
ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ሱር ዝሰደደን ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ዘንጸባረቕን እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ንመላእ ህዝብና ከማስን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኲነታት ከምቲ ኣብ ገለ ዲክታተርያዊ ምምሕዳራት ዝርአ’ኳ ገለ ካብ መሰረታዊ ድሌታት ዘማልእ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኣጥምዩ፡ ኣዕሪቑ፡ ኣጽሚኡ፡ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ነፊጉን ኣሳቕዩን ዝገዝእ ዘሎ ኣብቲ ዝለዓለ ጫፍ ጭካነ ዝተወጠሐ እዩ። እዚ እዩ ከኣ ንህግደፍ ኣብ ቅድሚ ሕብረአትሰብ ዓለም እውን ፍሉይ ንምግላጹ ዘጸግም ወጻዒ ዝገብሮ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ናይ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ዘሕዝን ምስልታት ዘቕረበት ጋዜጠኛ ሮይተርስ ዝሃበቶ ምስክርነት ከኣ ናይቲ ሕሉፍ ምረት መርኣያ’ዩ።
ብገለ ደቀቕቲ መርኣያታት፡ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ፡ ወይ ኣብ ካልእ መዳያት ናይቲ ወጽዓ ዕምቆት ንኡስ ፍልልይ ዘርኢ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ግና ህግደፍ ናይ ሓደ ወገን ፈታዊ ናይቲ ካልእ ከኣ ጸላኢ ብምዃኑ ዝፍጠር ኣይኮነን። እቲ ብዝኾነ ኤርትራዊ ወገን ዘይርህርህን ብኣልማማ ዝውጽዕን ጉጅለ ምእንቲ ህዝቢ ሓቢሩ ኣንጻሩ ከይቃለስ ዝኣልሞም መፈላለይ ውዲታት ከም ዝህልዉ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እዩ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ደቀቕቲ ምጽብጻባት ኣድሂቡ ኣብ መጻወድያ ናይቲ ጉጅለ ከይኣተወ፡ እቲ ተንኮል ናይቲ ሓባራዊ ጸላኢኡ ምዃኑ ክርዳእን እቲ መዋጸኦ ከይተከፋፈልካ ብምቅላስ ጥራይ ዝረጋገጽ ምዃኑ ክኣምንን ዝግበኦ። እዚ እዩ ከኣ ብደቀቕቲ ፍልልያት ከይተረሓሓቕካ ነቲ ዓብይ ምስሊ ወጽዓ ቅድሚት ሰሪዕካ ምስጓም ወሳኒ ዝገብሮ።
ንወጽዓ ሓደ ሃይማኖት፡ ከባብን ካልእ መዳይን በይኑ መዚዝካ ናጻ ንምውጻእ ይፍተን ይኸውን። ነዚ ከተንጸባርቕ እንከለኻ ግና እቲ ፍሉይ ግምት እትህቦ ዛዕባ፡ ኣካልቲ ዓማሚ ሃገር ለኸ ወጽዓ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ መሰረታዊ እዩ። ሃገር ለኸ ወጽዓ ተወጊዱ ዘተኣማምን ሓርነት መላእ ህዝቢ ክሳብ ዘይተመዝገበ ድማ፡ ኣብ ውሱን ኩርናዕ ወይ መዳይ ጥራይ ዘተኣማምን ዓወት ምምዝጋብ ከምዘይክኣል ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ’ዚ እዩ ከኣ እቲ ወጽዓ ቅድሚ ኩሉ ካብ ርእሱ ክፈርስ ናይ ግድን ዝኸውን።
ኣብ ዝኾነ መዳይ ህይወት ዘይምምጥጣን እንተ ተራእዩ፡ እቲ ዝዓበየ ወጽዓ ብዝተኣማምን ደረጃ ምስተቐንጠጠ፡ ድሕሪኡ ህዝቢ ብዘሳትፍን ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ብዘለዎን ዝዕመም እምበር፡ ብድሌትን ዓቕምን ውሱን ውዳበ ዝሰልጥ ኣይኮነን። እቲ ሰፊሕ ዓወት ኣብ ዘተረጋገጸሉ፡ በይንኻ ናይ ሓደ ውሱን ከባቢ ወይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ወጽዓ ብዘተኣማን ክትቅንጥጥ ምፍታን፡ ሓድነት ኣዳኺምካ መፍቶ ወጻዒ ካብ ምዃንን ዓወት ካብ ምድንጓይን ሓሊፉ ውሑስ ዓወት ኣየምጽእን።
ብዓይኒ ኣሰራርዓ ብደሆታት እንተተራእየ’ውን ኣየናይ ተቐድም ኣየናይከ ተስዕብ ምስትውዓል ዘይስገር እዩ። እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ ሃገርለኸ ወጽዓ ምውጋድ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ናይቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት መእከቢ መድረኽ ኣዕኑድ ክዝርዘር እንከሎ “ልኡላውነት ሃገርን ምውጋድስ ስርዓት ህግደፍን” ቅድሚት ናይ ምስርዖም ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይረአ ድማ ናይ ቅድመ-ውድቀት ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጽባሕ ውድቀቱን ዕማማትካ ዘይምድብላቕ መሰረታዊ ምዃኑ ከቶ ክዝለል ኣይግበኦን።
ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተገቲሩ ዘሎ ንልኡላውነት ኤርትራ ናይ ምክልኻል መኸተ ክተሓዝ ዝግበኦ ኣገባብ’ውን ተመሳሳሊ እዩ። ኤርትራ ናይ መላእ ኤርትራዊ ስለ ዝኾነት፡ እቲ ናይ ምድሓና ሓላፍነት ከኣ ከምቲ ኩነታቱ ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ምስቲ ኣንጻር ልኡላውነትና “መሬት ኣይትጽርኒ” ዝብል ዘሎ ናይ ግዳም ሓይሊ ምስላፍ፡ ኣብ ዝርዝሩ ከይኣተኻ ኣንጻር ልኡላውነት ስለ ዝኾነ ንጹግ እዩ። ብፍላጥ ዲዩ ብዘይፍላጥ ወይ’ውን ብግዝያዊ ጠቕምታት ድሕሪ ምስ ጸረ ልኡላውነት ሓይልታት ምስላፍ፡ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ኮነ ናይ ህዝባ ሓርነትን መሰረታዊ መሰላትን “ተሓላቒ” መሲልካ ምቕራብ ናይ ከንቱነት ከንቱ ምዃኑ እቶም ኣብኡ ዘዕለብጡ ዘለዉ ኣካላት፡ ካብ ዳሕራይ ምጠዓስ ሎሚ ይረድእዎ ንብሎም።

