ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብ እዋናዊ ኩነታት

ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብ እዋናዊ ኩነታት

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ25 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ብዙሓት ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ዞባውን ጉዳያት ዝተመያየጠ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና፡ ጐረባብትናን ዞባናን ኣንጻላልዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሰፊሕ ዳህሳስ ኣካይዱ፡ ነቲ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ2 መስከረም 2026 ዘውጸኦ ሰፊሕ መግለጺ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ውሳነታት ወሲኑ።

1) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ እውን ከም ወትሩ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ናይዚ ዝረአ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ውግኣትን ሰላማዊ ዘተን ልዝብን እምበር፡ ብውግእ  ዝወሓስ  ቀጻሊ ዘተኣማምን መፍትሒ ከምዘየለ ፈጻሚ ሽማግለ ኣረጋጊጹ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ውግእን ዓመጽን ብምምራጽ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝግህስ ሓይሊ ክመጽእ እንከሎ፡ ምስ ኩነታቱ ብዝሰማማዕ ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ንልኡላውነትን ኤርትራዊ ሓድነትን ክዕቅቡ ቅሩባት ዝኾኑ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ድማ ከም ኣባል ፖሓኤ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዝሰለፍ ዳግማይ ኣረጋጊጹ።

2) ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰላማዊ ኣገባብ እምበር ናይ ውግእ ተረባሒ ዘይምዃኑ ብምርዳእ፡ ነቲ ህግደፍ ዶብ ሰጊሩ ዝጽሕትሮ ውግኣት ክቃወሞ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣካይዳ ናይቲ ጉጅለ ንረብሓኡ ከምዘይኮነ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ “ሕራይ ንሰላማዊ መፍትሕን ሰናይ ዝምድናን፡ እምቢ ንውግእን ጻሕታሪ ኢድ ኣእታውነትን፡ ልኡላውነት ኤርትራ ንዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ኣይኮነን” ዝብል ድምጹ ከበርኽን ኣብ ልዕሊ’ቶም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ውግእ ዝሃርፉ ተጽዕኖኡ ከሕይልን ፈጻሚ ሽማግለ ጸዊዑ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ኣዕናዊ ውግኣትን ኣስፋሕፋሒ ወስታታን ረብሓን ድሌትን ስለ ዘየብሉ፡ ኣንጻር’ቲ  መንግስቲ ብልጽግና ልኡላውነት ኤርትራ ንምግሃስ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታውን ዓመጸኛ ጐስጓስ  ተቓውመኡ ከሕይል  ኣተሓሳሲቡ።

3) መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብዚ ከባቢና ብተደጋጋሚ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም። እቲ ዝመርሕዎ ውግኣት ዘጥፈአ ምስ ኣጥፈአ ናብ መኣዲ ዘተ ከም ዝቐረቡ እውን ኩሉ ክከታተሎ ዝጸንሐ እዩ። ስለዚ ካብዚ ተመኩሮኦም ተማሂሮም፡ ድሕሪ ውግእ ዘይኮነ ቅድሚ ውግእ ነቲ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቐርቦም ዘሎ ምሕጽንታታት ተቐቢሎም ናብ መኣዲ ዘተ ቀሪቦም ብመሰረት ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ሕግታትን ቀጥዕታትን ነቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዛዕባ ክፈትሕዎ ኣትሪሩ ጸዊዑ።

4) ታሪኽን ኣህጉራዊ ሕግታትን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት’ውን ይምስክርዎ ከም ዘለዉ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልኡላዊ ጐረባብቲ ሃገራት ምዃነን ዘከራኽር ኣይኮነን። በዚ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓንሳብ ንኤርትራ ንምጉባጥ፡ ንሓንሳብ ድማ ወደባ ቆሪሱ ንምውናን ዝኸዶ ዘሎ ስሱዕ ዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ቅቡል ከምዘይኮነ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ሚዛን ሰዲህኤ ኣስሚርሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ “ዓገብ ምባሉ” መራጐዲ ዓመጸኛ ህርፋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዃን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ገለ ኤርትራውያን ዝኽተልዎ ዘለዉ መንገዲ፡ ኣንጻር’ቲ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል ውግእ ዝብህግ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ክብሪ ህዝብን ኤርትራ ምዃኑ ምግንዛብ ኣኼባ ንተግባሮም  ኣትሪሩ ነጺግዎ።

ምስዚ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ወራር ዳንኬራን “ኩሉ ዝደለኻዮ ምርካብ ይከኣልዩ” ዝብል ሃላሊ ስምዒትን ወጺኡ፡ ከም ዝኾነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ጐረቤት ሃገር፡ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ናይ ወደብ ኣጠቓቕማ ሕግታት ብዘፍቅዶን ናይ ህዝብታት ሓባራዊ ረብሓ ብዘማእከለን ኣገባብ ተጠቃምነቱ ዘረጋግጸሉ ቀጥዒ ጥራይ ክኽተል፡ ዳግማይ ኣማሕጺኑ። ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ይላባዕ ንዘሎ ውግኣት ብሰላማዊ ዘተ ንክፈትሕ ከኣ ኣዘኻኺርዎ።

5) ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ውግእ ምዕራጉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውርዶ ጸገማት ብዓቢኡ ኮይኑ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ጽልዋኡ ኣሉታዊ ምዃኑ ኣኼባ መዚኑ። ካብዚ ሚዛኑ ብምንቃል ከኣ፡ ሕጂ እውን እቲ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ ውግእ ምቕጻል ዘይኮነ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተረዲእካ ብእሂንምሂን ምፍታሑ እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን፡ ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ኣካላት ካብ ምትህልላኽን ደም ምፍሳስን ወጺኦም ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክምለሱ ጸዊዑ።

6)  ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓረብ ሊግን ዝተፈላለያ ሃገራትን በቲ “ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገራት ክኽበር ኣለዎ” ዝሕመረቱ መግለጽታት ከውጽኡ ምጽነሖም ፈጻሚ ሽማግለ ኣመጒስዎም። እንተኾነ መግለጺ ምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተግባራውነት ናይቲ ዝበልዎ ብቐጻልነት ተጽዕነኦምን ምክትታሎምን ከሓይሉ’ውን ተማሕጺኑ።

7) ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት፡ ኢድ ብምእታው ዘዕጥቑን ዘስንቑን ዘለዉ ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ካብዚ እኩይ ተግባራቶም ወጺኦም ኣካል ናይ ዕርቅን ስኒትን ንክኾኑ ድማ ኣኼባ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ብዘይካዚ ፍሉይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰልፋዊ ዛዕባታት ተመያይጡ  ውሳነታት ብምሕላፍ ኣኼባኡ ዛዚሙ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

26 ጥቅምቲ 2026