ልኡላውነትስ ኣጀንዳ ኩልና ደኣ ንግበሮ 

ልኡላውነትስ ኣጀንዳ ኩልና ደኣ ንግበሮ 

ህዝብታት ዝለዓለ መግለጺ ህልውናኦምን መንነቶምን ካብ ዝኾኑ መሰረታዊ መለክዒታት  ልኡላውነት ሃገሮም ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ምኽንያቱ ልኡላውነቶም ማሕብረ-ቁጠባዊ ክብሮምን ህልውነኦምን  ካብ ዘውሕስሉ ሓደ ስለ ዝኾነ። ልኡላውነት ክሳብ ክንድዚ ናይ ህልውና ወሳኒ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ምእንትኡ እቲ ዝኸበረ ዋጋ ምኽፋል ናይ ግድን ዝኸውን። ብመሰረቱ መሰላቶም ዝተገፈን ግዝኣቶም ዝተወረን ወገናት ዘካይድዎ ቃልሲ ሕመረቱ ምእንቲ ልኡላውነት ዝኽፈል ዋጋ እዩ። ዳርጋ ናይ ኩሉ ኣብዚ እዋንዚ በብኩርናዑ ዝካየድ ዘሎ ውግኣትን ምስሕሓባትን ትርጉም’ውን ናይዚ ባህሪ ዘይብሉ ኣይኮነን።

ልኡላውነት ክሳብ ክንዲዚ ልዑል ክብሪ ዘለዎ ብምዃኑ ኣብቲ ንምርግጋጹ ኮነ ንምሕላዉ ዝግበር ቀጻሊ ቃልሲ ብዘይኣፈላላይ ናይ መላእ’ቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ተሳትፎ እዩ ዝሓትት። እዚ ኣብቲ ብዘይምዕጥጣይ ንናጽነት ኤርትራን ምውሓስ ልኡላውነታን ዝተገብረ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ተረጋጊጹ’ዩ።  ሎሚ ኣብቲ ንልኡላውነት ሃገር  ከም ብሌን ዓይኒ ምሕላው ዝድለየሉ ዘሎ ወሳኒ መድረኽ’ውን ህዝቢ “ናተይ ሓላፍነት እዩ” ኢሉ ብፍሉይ ትኹረት ዝከታተሎ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ገዚፍ ኣጀንዳ ሓንሳብ ምስ ኣውሓስካዮ ፋይሉ ተዓጽዩ ዝቕመጥ ዘይኮነ፡ መንቀሊኡ ብዘየገድስ፡  ተጻባኢ ሓይሊ መጺኡ ከየገርሃካ በብቲ ዝጥዕመካ ኣገባብ ነቒሕካ ምሕላው የድልዮ። እዚ ኣጀንዳ ቅድሚት ኣብ ዝስረዓሉ፡ ድልዊ ኮይንካ ምጽናሕ መሰረታዊ ዜግነታዊ ግቡእ እዩ። ዓለምለኻዊ ሕግታት ጓዕጺጹ ዘይግዝኣቱ ክወርር ዝሕልን ተጻባኢ ሓይሊ፡ እንተ ክዕወት ዘይክዕወት ኣብ ግምት ዘእትዎ ናይቲ  ንልኡላውነቱ ድልዊ ክኸውን ዝግበኦ ህዝቢ ሓድነትን ብቕዓትን ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ እዩ። ክብርኻ ክደፍር ዝደሊ ወገን፡ ሓድነት ህዝብኻ ኣብ ዝደልደለሉ ኣይተብዕን እዩ። ብኣንጻሩ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ዝተዳኸመሉ፡ ዓመጸኛ  ሓይሊ  ደንዲኑ  ክወርር ከም ዝተባባዕ ርዱእ’ዩ።

ካብዚ ሓሊፉ  ሓለዋ ልኡላውነት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ኣጀንዳ ጥራይ ጌርካ ምውሳዱ ግጉይ እዩ። ሓቂ እዩ ኣብ ስልጣን ዝድይብ መንግስቲ ካብ መሰረታዊ ዕማማቱ ሓደ ህዝቢ ዝሳተፈሉ ዲሞክራሲያዊ መንገዲ ጸሪጉን ኣውሒሱን ናይ ሃገርን ህዝብን ሰላም፡ ድሕነትን ዕቤትን ብዓብይኡ ከኣ ልኡላውነት ምዕቃብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዝኣመሰለ ምምሕዳር ግና፡ ኣይኮነንዶ ህዝቢ ኣተሓባብሩ ልኡላውነት ከኽብር ንገዛእ ርእሱ ጠንቂ ምግሃስ ልኡላውነት ኣብ ዝኾነሉ፡ ህዝቢ “እዚ ናይ መንግስቲ ኣጀንዳ ስለ ዝኾነ፡ ከም ድላዩ ይግበሮ” ኢሉ  ዘዋድቖ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ “ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ወትሩ ኣጀንዳይ እዩ” ብዝብል ሓቦን ሓድነትን ግቡእ ቆላሕታ ክህቦ ምርጫ ዘይኮነ ግዴደታ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንዕድመ ስልጣኑ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ፡ ንክብሪ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣካይዳ ክመርጽ እንከሎ፡ ሓላፍነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንዳይ ዝኸበደ ከም ዝኸውን ድማ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

ምዕቃብ ልኡላውነት ንክልኢት እውን ትኹን ዝውንዘፍ ዘይኮነሉ ምስጢር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዛዕባ   ሓድነት ህዝቢ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራስን ምውሓስ ኩሉ ዓይነት መሰላትን ኮታ ብዛዕባ ዝተማልአ ሓርነት ክልዓል እንከሎ፡ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ዘይተዋሕሰሉ ሕልሚ ኮይኑ ስለ ዝተርፍ እዩ። ነዚ ዓብይ ኣጀንዳ ዘንጊዕካ ብዛዕባ ለውጢ ጥራይ ምሕሳብ፡ ዝዝራእ መሬት ከይሓዝካ፡ ዘርኢ ስለ ዝመረጽካ ጥራይ ዘዕግብ እቶት ክትሓፍስ ካብ ምጽባይ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ነካይዶ ኣብ ዘለና ቃልሲ፡  ቀዳምነትካ ኣብ ምስራዕ “ምዕቃብ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ድሕሪኡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለ ኣወጊድካ ለውጢ ምምጻእን” ዝብሉ ኣምራት ክተሓላለኹን በበይኖም ፈላሊኻ ክቃነዩን ይረአ እዩ። ገለ ወገናት፡ ንሓንቲ ካብዘን ዛዕባታት መንጢሎም በይና ኣጀንዳኦም ይገበሩ’ሞ፡ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ይወድቁ። ገለ ከኣ እዞም ዛዕባታት በበይኖም ነጻጺልካ ስለ ዘይረኣዩን ኣብ ሕድሕዶም ስለ ዝጸላለዉ ኣወሃሂድካን ኣገናዚብካን ክተሓዙ ዝግበኦም እዮም ይብሉ።  

እቲ ቅኑዕ ኣተሓሕዛ እምበኣር፡ እቲ ነዞም ዝጸላለዉ ኣምራት  ኣሳኒኻ ዘቃልስ ኣገባብ ምኽታል እዩ። እቲ ናይ ኣቀማምጣ ፍልልይ ምናልባት ካብ ኣረዳድኣ ትርጉም ልኡላውነትን ዝለዓለሉ  ግዜን  ኲነታትን ዝነቅል ክኸውን ይኽእል። ገለ ወገናት ልኡላውነት ክብሉ እንከለዉ፡ ንክብሪ  ህዝቢ ብምዝንጋዕ፡ ኣብ ጉዳይ መሬታዊ ሓድነት ጥራይ ዘተኮረ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ይፍትኑ። ካብዚ ነቒሎም ድማ ህዝቢ ዘይብሉ ልኡላዊ መሬት ትርጉም የብሉ ክበሃሉ ይስማዕ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ክብሪ ህዝቢ ከለዓል እንከሎ  “መሬት ኤርትራ ግና ባዕሉ ይፈልጥ” ምባል ቅኑዕ ይመስሎም’ሞ “ናተይ ዝብሎ ልኡላዊ መሬት ዘየብሉ ህዝቢ ህላወ የብሉን” ተባሂሎም ክንቀፉ ይስማዕ። እቲ ግቡእ ኣገላልጻ ልኡላውነት እምበኣር፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ክብሪ ህዝብን ዝነጻጽል ዘይኮነ፡ ኣወሃሂዱ ዝሕቁፍ ምዃኑ ጌርካ ምርድኡ እዩ።

ህግደፍ ሰማዒ እዝኒ’ኳ ዘይረክብ እንተኾነ፡ ንልኡላውነት ከም መሕብኢ ካብ ዘቤታዊ ፖለቲኮ-ማሕበረ-ቁጠባዊ ዛዕባታት ክጥቀመሉ ይፍትን እዩ።  ካብዚ ሓሊፉ  ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝገብሮ ዝምድና፡  ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ወስታታት ክኽተል ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ብምንቃል፡ “ንኣጀንዳ ልኡላውነት ንሓንሳብ ንሱ ስለ ዝጠሓሶ፡ ንሓንሳብ ከኣ ንዓኡ ስለ ዝምልከት እናበልካ እቲ ጉጅለ ከም ድላዩ ይግበሮ”  እናበሉ ነቲ ንሱ ዝፍጽሞ ጌጋ ክደግምዎ ዝደልዩ ወገናት ይስምዑ እዮም። ከምቲ ግቡእ ግና “ንሱ እንተዓበደ ንሕና ደድሕሪኡ ኣይንዓብድን ”  ኢልካ፡ ናትካ ኣጀንዳ ምዃኑ ተኣሚንካ ብዝመረጽካዮ ኣገባብን ግዜን ሓላፍነትካ ክትፍጽም ድልዊ ምዃን እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ግዳይ ናይቶም “ህግደፍ ደኣ ይውደቐልና እምበር፡ ልኡላውነትስ ንዓና ኣይምልከትን’ዩ”  ዝብሉ ገለ ኤርትራውያን ከይትኸውን ምጥንቃቕ የድሊ። ኣብ ዘይህላወ ልኡላዊት ኤርትራ እዩ ረብሓና ዝረጋገጽ ዝብሉ ከም ብልጽግና ዝአመሰሉ ግዳማዊ ሓይልታት፡ ዝሃርፍዎ ዓመጸኛ ኣካይዳ ንምምዕራግ “ልኡላውነት ኣጀንዳና ኣይኮነን” ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት ምህላዎም ሓሓሊፉ ክቕልቀል ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ብመንጽር’ዚ ምርጫ ብልጽግና ኣብ ህልዊ ኣሰላልፋ ኤርትራውያን ንመን ኣጋግዩ  ከተባብዕ ይደሊ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ።