ጉጅለ ህግደፍ ብ10 ጥቅምቲ 2026፡ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳዩ ኣቢሉ፡ ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቓዊሙ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪቡ። ትሕዝቶ ጥርዓኑ፡ “ኢትዮጵያን መሰረታዊ መትከላትን ዓንድታትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስን ንዘይገሃስ ልኡላውነት ኤርትራ ዘናሹን ዝኽሕድን ኣሰልካዪን ዘይሕጋውን ጠሓርኩኹም ዝሕመረቱ፡ ታህዲድ ተቕርብ ከምዘላ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ” ዝብል ይርከቦ። ምስኡ እውን ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ብግሁድ ካብ እትጉስጉስ 3 ዓመታት ከም ዝሓለፈ ይጠቅስ እሞ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንከዕግሳ ይጽውዕ። እዚ ናይ ኣፈ-ኣርክቡ መልእኽቲ ህግደፍ እዩ ከኣ፡ “ክሳብ ሕጂ ደኣ’ሞ ኣበይ ጸኒሖም?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኣስዒቡ ዘሎ።
መንግስቲ ብልጽግና፡ ከምቲ “ጭጉራፍሲ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ዝበሃል፡ ናቱ ግህሰት ሓቢኡ፡ ኤርትራ ዕጡቓት ተቓወምቱ እናሰልጠነትን እናዕጠቐትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ኢድ ተእቱ ከም ዘላ ዝገልጽ ክሲ ደጋጊሙ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘቕርብ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ብሰንኪዚ ክስታት ከኣ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ሓደገኛ ወስታ ምስቲ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣመዓራርዩ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ክጣለዓሉ ከም ዝጸንሐ ርኡይ እዩ። እቲ ጥርዓን ዝቐረቦ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ካለኦት ኣህጉራዊ ትካላትን ከኣ ንክልቲኦም ወገናት ብሓደ ዓይኒ እናረኣዩ፡ “ዓገብ” ክብልዎም ጸኒሖም።
መንግስቲ ብልጽግና፡ ብ9 ጥቅምቲ 2026 ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ቀረባ ግዜ ጥራርዓኑ፡ “ኤርትራ ብስም ጽምዶ ተቓወምተይ ደጊፋ ውሽጠይ ትዘርግ ኣላ” ጥራይ ዝብል ዘይኮነ፡ ካብኡ ብዝበረኸ፡ “ሰራዊታ ክሳብ 60 ኪሎሜተር ልኡላውነተይ ጥሒሱ ኣትዩ ይወግኣኒ’ሎ፡ ስለዚ ካብዚ ንደሓር ዘለኒ ምርጫ ነብሰይ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ምውሳድ ምዃኑ ፍለጡለይ” ዝብል እዩ። ናይዚ ንኤርትራ ከም ጀማሪት ውግእ ዝገልጽ ክሲ ሓቅነት ከም ዘለዎ ከኣ፡ እቲ ጥርዓን ዝበጸሖ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ በቲ ኩነታት ኣብ ዘውጸኦ ህጹጽ መግለጺ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ መሬት ኢትዮጵያ ይውጻእ” ዝበሎ መተሓሳሰቢ መርተዖ ኮይኑ ዝጥቀስ ዘሎ እዩ።
ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ዝበሃል፡ ኤርትራ ደንጉያ ኣንጻር ክሲ ኢትዮጵያ ዝሃበቶ ኣሉታ ብሰንኪ ግዜ ዘይምሕላው ተቐባልነቱ ትሑት እዩ። ኣብቲ ናይ 1998-2000 ውግእ’ውን ብተመሳሳሊ፡ “ውግእ ኣብ ዓዲ ምሩግ ድዩ ወይስ ኣብ ባድመ እዩ ተጀሚሩ?” ዝብል ኣከራኻሪ ብምንባሩ፡ እቲ ህግደፍ ሓቢእዎ ዝነበረ ፍጻመ ናይ ዓዲ ምሩግ ብ3ይ ኣካል ተጻርዩ፡ ተቐባልነት ስለ ዝሰኣነ ህግደፍ ጀማሪ ኲናት ተባሂሉ ከም ዝተወሰነ ዝዝከር እዩ። እዚ እምበኣር ሓደ ካብ መርኣያታት፡ ኣካይዳ፡ “ስቕ ስለ መሪጽና”፡ ዘይግሉጽን ዘይዕቱብን ዲፕሎማሲ ህግደፍ ዘርኢ እዩ።
ህግደፍ ንወራሪ ኣካይዳ ብልጽግና ብዓንተብኡ እሞ ድማ መንግስታዊ ክብደትን ሓላፍነትን ብዘለዎ ብመርተዖታት ብዝተሰነየ፡ ኣገባብ ክሕዞ ኣይደለየን። ብሰንኪ ዘይተገዳስነት ህግደፍ እቲ ንብልጽግና ክወሃብ ዝጸንሐ ገብረ-መልሲ፡ ኣብ ኣጋጣምታት ብዝቐርቡ ናይ ህጻናት ድራማ፡ ብተራ ፈኸራ ተጀሃርቲ፡ ሓሓሊፉ ብዝጸሓፍ ሓተታታትን ከምኡ ድማ ካብ መራሕቲ ብዘይትጽበዮ ታራ ናይ ጸርፍን ሕጫጨን ሓረጋት እዩ ክገለጽ ጸኒሑ። ነቲ ሎሚ ናብ ሓደገኛ ጥርዚ ማዕቢሉ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ትካላት ሰማዒ ብዝረከብ ኣገባብ ዘይምሓዞም ከኣ ብብዙሓት ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ኣካላት፡ “እንታይ ደኣ እዩ ዓዚምዎም?” ከበሃል ዝጸንሐን ዘሎን ናይቲ ጉጅለ ጠገለ ዘየብሉ ኣካይዳ ዘርኢ’ዩ።
ኣብቲ ብወገን ኢትዮጵያ ፕሮፖጋንዳዊ ድፍረት ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝጀመረሉ መድረኻት ብዙሓት ካብ ደገፍቲ ህግደፍ፡ “በዓል ኣብይ ኣበይ ከይበጽሑ ኢልዎም እዩ” ክብሉ ይስምዑ ከም ዝነበሩ ይዝከር። ብኣንጻሩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብዙሓት ብልኡላውነት ሃገሮም ዝግደሱ ወገናትን፡ እቲ ጉዳይ ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ከይዓረገ፡ ንክኹለፍ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ከካይዱ ጸኒሖምን ይቕጽሉ ኣለዉን።
እዞም ሎሚ “ንኤርትራ እንተስ ብቦሌ እንተስ ብባሌ እንተዘይዓምጠርናያ” ዝብሉ ዘለዉ ጀነራላት ኢትዮጵያ፡ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ምስኣቶም ተሰሊፉ ደም መንእሰያትን ጸጋታትን ኤርትራ ከፊሉ ናብዚ ዘለዉዎ ክበጽሑ ዝሓገዞም፡ “ውሽጡ ውሻጥኡ ዝፈልጥዎ”፡ ክሳብቲ ዘድለዮም ዝንእድዎ ዝነበሩ እዮም። በቲ ካልእ ወገን ካብቶም ሎሚ “ንኤርትራ ግድን እንተዘይወረርናያ” ኢሎም ዝጭድሩ ዘለዉ ላዕለዎት ጀነራላት፡ ኣባላት ሰራዊት ደርጊ ኮይኖም ኣንጻር ናጽነትና ዝተዋግኡ፡ ኩነታት ኣገዲድዎም እንተዘይኮይኑ፡ ኣንጻር ናጽነትናን ልኡላውነትናን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ምዃኖምሲ ህግደፍ ትዝዶ ይብሎ ይኸውን? ዝብል እውን ዘየዛርብ ኣይኮነን።
ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ጀነራል ባጫ ደበሌ፡ ጀነራል ኣለምሸት ደጊፈን ጀነራል ጌታቸው ጉዲናን ካብቶም ደግሲ ከንጸላልዎም ዝኽእል ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ካብቶም ሎሚ ብደረጃ ሲቪል “ኢትዮጵያ ብዝኾነ መንገዲ ዓሰብ ከተምልስ መሰል ኣለዋ” እናበሉ ዝሕንሕኑ ዘለዉ፡ በዓል ኣባ ዱላ ገመዳ፡ ዶር ለንጮ ባቲ፡ ዳውድ ኢብሳን ኣንበሳድር ሱሌማን ደደፎን’ውን ካብ ናይቶም ጀነራላት ደግሲ ብዝተፈልየ ዝረአዩ ኣይኮኑን። ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክትውረር የማኽሩ ኣለዉ ዝበሃሉ ተጋሩ፡ በዓል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀልም (መንጋግን)ን እውን፡ ኣብ ግዜ ውግእ 1998-2000 ምስ ምሉእ ወተሃደራዊ ዓቕምና እንከለና ኣስመራ ኣቲና መንግስቲ ከይነፍርስ “ብመለስ ዜናዊ ተኾሊፍና” እናበሉ ኣብ ኣደባባያት ርእሶም ዝንቕንቑ ዘለዉ እዮም።
ናብዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ካብ ንኤርትራውያን ሓሊፉ፡ ንኹሎም “ልዝብን ዘተን እምበር ውግእ መፍትሒ ከምዘይከውን” ዝኣምኑ ወገናት ዘሻቕል ዘሎ ደረጃ ክንበጽሕ፡ ክቱር ህርፋን ወራር ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ዘይዲፕሎማሲያውን ኣርሒቑ ዘይጥምትን ኣተሓሕዛ ህግደፍ’ውን ዓብይ እጃም ከም ዘለዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ህግደፍ ድሌት እንተዝህልዎ’ውን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንድሕሪት ክመልሶ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ብሓይሊ ኮነ ብሕጊ ካብ ህግደፍ ዝመጽእ መፍትሒ ከምዘየል ተገንዚቡ፡ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ኣብቲ በቲ ሓደ ወገን ኣንጻር ጭቆና ህግደፍ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣንጻር ወራር ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ጐኑ ንክስለፍ ድምጹ ኣበሪኹ ከስምዕ ይግበኦ።

