እቲ ሓቀኛ መፍትሒ ግዳማዊ ኣይኮነን! ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

እቲ ሓቀኛ መፍትሒ ግዳማዊ ኣይኮነን!  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋን’ዚ  ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዘይረአየሉ ዘተኣማምን ህዱእ ከባቢ ኣሎ ምባል የጸግም። ብቐሊሉ ዝረአ ጸገማት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣዝዩ ሓደገኛ ውግኣትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ዝሕመሱ ዘለዉ ኩርነዓት ዓለምና’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ሃገርና እትርከበሉ ምብራቕ ኣፊርቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ከኣ ብዝለዓለ ወጥርን ናይ ውግእ ስግኣትን ይሕመሱ ካብ ዘለዉ ኩርነዓት  ሓደ  ኮይኑ’ሎ። ውግእ ሕድሕድ ሱዳናውያን፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን በጺሐነኦ ዘለዋ ወጥሪ፡ ከምኡ እውን ዘቤታዊ ውግኣት ኢትዮጵያ ንከመይነት ኣተሃላልዋ ሃገርናን ጐረባብታን ገለጽቲ እዮም። ኣብዚ ውግኣት ብዘይካተን ቅድሚት ዝተሰለፋ፡ ብድሕሪት ኮይነን  “ቀጽሉ ደኣ” ዝብላ መሳወርቲ ብዙሓት ምዃነን ከኣ ነቲ ስግኣት የዕርጎ’ሎ።

ህዝቢ እዘን ብውግእ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት፡ ክርህወሉን ጸገሙ ናብ ዝገደደ ከይዓርግን “ሰማይ ደጊፉ” ይሓድር ከምዘሎ ርኡይ እዩ። ሻቕሎት ጥራይ ዘይኮነ ድሮ ብግብሪ ዝኸፍሎ ዘሎ ናይ ህይወትን ንብረትን ዋጋ ከኣ ቀልጢፉ ይዛይድ ኣሎ። እቲ መዋጸኦ ካብቶም ውግእ ኣጒዶም መንእሰያት ዘዋድኡ ዘለዉ ወገናቱ ከምዘይመጽእ ተስፋ ዝቖረጸ ህዝቢ፡ ናይ ውጻኢ ሓይልታት ኢዶም ሓዊሶም  ሰላም ከምጽእሉ ክጽውዕን ክምሕጸንን ይስማዕ’ዩ። በዚ መስረት ኣብዚ እዋንዚ “ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ተሰማዕቲ ዝበሃላ ሓያላት ሃገራት ……ወዘተ እንታይ በላ?” እናበለ  ክጸናጸን ዝውዕል ደላይ ሰላም  ብዙሕ እዩ።

እቲ ደላይ ሰላም ህዝቢ፡ እዘን ዝተጠቓሳ፡ ዓለም ኣብ ምዝዋር ጸላዊ ግደ ዘለወን ትካላትን ሃገራትን ንዘውጸአኦ መግለጺታት፡ ሃንቀው ክብል ምኽንያታዊ እዩ። እንተኾነ መግለጽታት ናይዘን ትጽቢት ዝግበረለን ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ኣካላት፡ “ህውከት ካብ ምግዳድ ተኣደቡ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ውግእ ናብ ሰላምን ዘተን ጠምቱ፡ ተጀሚሩ ናብ ዘይተወደአ መስርሕ ትግብረ ስምምዕ ተመለሱ፡ ንሰብኣዊ ኩነታትን ድሕነት ሲቪል ሕብረተሰብን ቀልቢ ግበርሉ፡ ሕድሕድ ልኡላውነት ኣኽብሩ” ካብ ዝብሉ ስኒ ዘየብሎም ሓረጋት ንላዕሊ ዝኸይድ ኣይኮነን።

እዞም ኣበሃህላታት ለማጻትን “ኢሎም ነይሮም” ንምባል ዝወጹን እምበር፡ ቀጻሊ መፍትሒ ንምውሓስ ኣጽኒዑ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ዋና ዘለዎም ከምዘይኮኑ ኣብ ብዙሓት ተመኩሮታት ሰማዒ ክስእኑ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ። ምናልባት እውን ገለ ሃገራት ካብዞም ወገናት ብቕሉዕ ዝብልዎ ሰላማዊ መሲሉ፡ ብስዉር ግና ውግእን ህውከትን ዘሳውር  ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ ኩሉቲ ዝብልዎን  ዝገብርዎን ናታቶም ሕሳብ ቅድሚት ዝሰርዕ  ስለ ዝኾነ።

 ብናይ ወጻኢ ወገናት ዝወሃብ ስምዕታ፡ ካብ ልቢ ዝነቅል ክኸውን እንከሎ’ውን፡ ዘይሩ ዘይሩ ካልኣዊ ምዃኑ ስለ ዘይተርፎ ነቲ ካብ ውሽጣዊ ቅርቡነት ህዝቢ ዝነቅል መፍትሒ ክትክእ ዘበት እዩ። ስለዚ እቲ ወሳኒ፡ መሰረታውን ቀጻልን መፍትሒ፡ ካብቲ እቶም ካብ ውግእ ዝዕንገሉ ህውከተኛታት ዝዕንድርሉ ዘለዉ ህዝቢ ዝነቅል ጥራይ እዩ።  ህዝቢ ነዚ ክበቅዕ ከኣ ነቲ ሓላፍነቱ ዝምጥን ድምጽን ዓቕምን ክውንን ይግበኦ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ተወዲቡን ሓድነቱ ኣደልዲሉን ናይ ሓባር ድምጹ ዘስመዓሉ ዓቕሚ ከጥሪ መተካእታ ከምዘየብሉ  ተረዲኡ ናይ ምንቅስቓስ  ሓላፍነት ክወስድ ይግበኦ።

ነብሰ ተኣማንነት ዘይብሎም ብሓሳብ ምስ ዝፍለዮም ኣካል ዘለዎም ምስሕሓብ ዘየመሓደሩን ምስቲ “ምእንታኻ ኢና ንዋጋእ ዘለና” ዝብልዎ ህዝቢ ዘይተዓርቁን መሰሉ ዘየኽብርሉን ወገናት ዝበሉ እንተበሉ ሓቀኛ ሰላም ከረጋግጹ ኣይክእሉን። ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ውግእ ከፊቶም ኣቕጣጫ ንምቕያር ተንኮል ዝምህዙ ኣብ ውግእ ዝተጸምዱ ኣካላት ንምትዕራቕ፡ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝመጽእ ተጽዕኖ ምናልባት መበገስን ግዝያዊ መዕገስን እምበር ዘተኣማምን ክኸውን ከምዘይክእል ተመኩሮ ብተደጋጋሚ ዘረጋገጾ እዩ። ክንከታተሎ ኣብ ዝጸናሕና መስርሕ፡ ግደ ኣመሪካን ካለኦት ሓይልታትን ኣብ ዝምድናን ተመሊስካ ናብ ውግእ ምእታውን ህግደፍ፡ ብልጽግናን ህወሓትን  ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ዝኾነ ሓያል ኣካል ረብሓኡ ኣብ ምውጋእ ናይቶም ኣካላት እንተኾይኑ፡ መተዓራቓይ ጸኒሑ ሜላ ቀይሩ ጠንቂ ውግእ ምዃን’ውን ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኣይኮነን።

ብናይ ግዳም ሓይልታት ተጽዕኖ እምበር፡ ብናይቶም ፈረምቲ ሰብ ጉዳይ ቅሩብነት ዘይተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ተመሊሱ ከም ዝፈርስ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታት ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ። ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወሰነ ርሕቀት’ኳ እንተ ተጓዕዘ፡ ብሰንኪ ግጉይ ሕሳብ ናይቶም ፈረምቲ ቀጻሊ ሰላምን ቅሳነትን ኣየውሓሰን። ኣብቲ ብተጽዕኖ ኣመሪካ ዝመጸ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ካብ ሺሰልስን ጅቡትን ጀሚሩ ብምስጢርን ብግሁድን ተጓዒዙ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ መወዳእታ መልክዕ ዝሓዘ ስምምዕ  ፕሪቶርያ፡ ተነቢርሉ ዝነበረ ተስፋ ሃጒጉ  ነዊሕ  ከይሰጐመ ዕድመኡ ምሕጻሩ ድማ ካልእ ኣብነት እዩ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሓቀኛ ውሽጣዊ ቅሩብነት ዝተደረዐን ዝተደገፈን ንእንተዝነብር ሎሚ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዕለታዊ ኣርእሰት-ዜና ውግእ ኣይመኾናን።

ኣብ ከባቢና ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ንናታቶም ናይ ልዕልና ውድድር እምበር፡ ንጠቕሚ ናይቲ “ንህልውናኻ፡ ንብሄራዊ ረብሓኻን ንኣፍደገ ባሕርኻን እዩ” እናበሉ ዝጥብርዎ ህዝቢ ከምዘይኮነ፡ ውሑስ መድረኽ እንተዝረክብ ባዕሉ ከም ዝነግሮም ርዱእ እዩ። እንተኾነ እቲ ናይ ምስማዕ ዕድል ዘለዎ ድምጺ፡ ናይቶም ኣብ በሪኽ ቦታ ሓላፍነት ኮይኖም ከም እንኮ መፍትሒ ውግእ ዝሰብኩ ተዘይኮይኑ፡ ናይቲ ሰላም፡ ሓቢርካ ምንባርን ምትሕብባርን ዝናፍቕ ህዝቢ ድምጺ ኣይኮነን። ብውግእ ዝጠፍእ ኣጥፊኦም ዝዓኑ ኣዕንዮም ምዃን ምስ ኣበዮም ተመሊሶም ዘስምዕዎ ሰናይ ናይ ሰላም ድምጽን ከኣ ንመሰጋገሪ ናብ ካልእ ህውከት እምበር፡ ንሕቶ ሰላም በቲ ሓቀኛ  ህዝባዊ መንፈሱ ዝምልስ ከምዘይከውን ካብ ተመኩሮ ንላዕሊ መምህር የለን።

ስለዚ ህዝብታት ኤርትራን ናይተን ኣብ ውግእ ተጸሚደን ዘለዋ ሃገራትን፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ፡ ውግእ ዝነጽግ፡ ንሓቢርካ ምንባር፡ ከባብያዊ ርግኣትን ጉርብትናዊ ምትሕብባርን ዘበርኽ መፍትሒ ኣብ ምርካብ ጥራይ እዩ ረብሓኦም።  ነዚ ረብሖም ህያው ንምግባሩ ከኣ ድምጾም ከስምዑ ግዜኡ ሎሚ’ዩ። ስቕታ ግና ንሃረፍቲ ውግእን ዕግርግርን ኣሻዲኑ ዕንወትን ብርሰትን ዝዕድም’ዩ።