ካብ ተመኩሮ ዘይምምሃርን  ሳዕቤኑን

ካብ ተመኩሮ ዘይምምሃርን  ሳዕቤኑን

ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያትን ከባብታትን ዕንወት ከውርዱ ዝጸንሑን ዘለዉን ተፈጥሮኣውን ሰብ ዝሰርሖን ሓደጋታት ብዙሓት እዮም።  ምንቅጥቃጥ መሬት፡ እሳተጎመራ፡ ለበዳ ሕማማት፡ ዝናብን ውሕጅን ካብቶም ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ክኾኑ እንከለዉ፡ ውግእ ከኣ ሰብ ካብ  ዝሰርሖም ሓደጋታት ሓደ ኣብነት እዩ። ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ድሌት ዘለዎም ወገናት ዝካየድ ዝተወደብ ውግእ ዘተሓሳስብ፡ እቲ ዘውርዶ ኩለ-መዳያዊ ዕንወት ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ተዋጋእቲ  ናይ  ሰላም ተኽእሎ ነጺጎም ከካይድዎ እንከለዉ እዩ።

ውግኣት ከከምቲ ዝካየድሉ ግዜን መንቀሊኦም ዝኸውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትን ዝተፈላለዩ ባህርያት እዩ ዘለዎም። ዘይናትካ ግዝኣት ንምጉባጥን ብሓይሊ ስልጣን ንምጭባጥን፡ ኮታ ሕጊ ብምጥሓስ ዝካየዱ ዓመጸኛ ውግኣት፡ ካብቲ ግዝኣትካን ልኡላውነትካን ንምዕቃብን መሰላትካ ንምውሓስን ዝግበር ውግኣት ዝተፈልየ ጥራይ ዘይኮነ ተጻራሪ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምጭባጥ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ስርዓታት ኢትዮጵያ መግዛእቶም ኣብ ኤርትራ ንምጽዓን ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ናይዚ ተጻራሪ ባህርያት ውግእ ኣብነት እዩ።

ዓለምና በብግዜኡ ዝጸደቐ ፍልልያት ብዘይውግእ ዝፍተሓሉ መንገዲ ዝእምቱ ኣብ ምክብባርን ልዕልና ፍትሕን ዘተሰረቱ ሕግታት ኣለዋ። ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓንቀጽ 39 “ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንተደኣ ንሰላም ዝዘርግ ኩነታት ተፈጢሩ ወይ ናይ ሕጊ ግህሰት እንተጋጢሙ ቅኑዕ መስመር ንምትሓዙ ዘኽእል ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ስልጣንን ሓላፍነትን ይህብ” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ናይዞም ሕግታት ናይ ምኽባር ሓላፍነትካ ዘንጊዕካ ድሌትካን ህርፋንካን ልዕሊ ሕጊ ሰሪዕካ ውግእ ምኽፋት ልሙድ ኮይኑ’ሎ።

ናይ ሩሲያ ልኡላውነት ዩኩረይ ምግሃስን ናይ ኢራን ብኣሜሪካን እስራኤል ንዓለም ብዘስደምም ምስምሳት ብምፍጣር ምዕናውን ናይቲ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕግታት ውጽኢት እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዘወጣውጦ ዘሎ በትሪ እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ብዘይካዚ ብዙሓት ነቲ ሕግታት ከኽብሩን ክዕቀቡን ዝነበሮም መንግስታት ካብ ድሕነት ወዲ ሰብን ክብሪ ሃገራትን ቁጠባዊ ረብሓኦም ብምቕዳም ነቲ ውግኣት ኣጽዋሮም ብምሻጥን ውዲት ብምእላምን ከምዘይቋረጽ ገይሮም   ክሓላልኽዎ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ዝሓለፈ፡ ህልውን መጻኢን ዘገናዝብ ሓላፍነታዊ መንግስቲ እንተዝነብራ ንገዛእ ርእሳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንካለኦት’ውን መምሃሪ ተመኩሮ ውግእን ኣዕናዊ ሳዕቤኑን ክትከውን መተገበኣ። ምኽንያቱ ብሰንኪ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ 40ታት ነቲ ብህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ ፖለቲካዊ ሕቶ ሰላማውን ስልጡንን መፍትሒ ዘይምቕባሉ፡ በቲ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነወሓ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዃኑ ዝንገረሉ ናይ 30 ዓመታት ውግእ ዘይተፈልዮ ቃልሲ ስለ ዝሓለፈት።

ህዝቢ ኤርትራ ውግእ ሃሪፉ ዘይኮነ፡ ብሰንክ’ቲ ተገዲዱ ዝኣተዎ ደማዊ ህዝባዊ ውግእ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ብርሰት ብዓይነቱ ብዙሕ መልክዕ ዝነበሮ፡ ብመጠኑ ድማ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ፡ ከም ታሪኽ ዝስነድ እምበር፡ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ዝተመዝገበ ዓወት ኣብ ኢድ ዘይሓላፍነታዊ መላኺ ጉጅለ ስለ ዝወደቐ፡ ስንብራት ናይቲ ሓርነታዊ ውግእ ድሕሪ 35 ዓመታት ናጽነት እውን ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። “መተርከስ ጐረሮ ማይ ይስእን ኣለኹ” ዝብል ድምጺ’ታ መልክዓ ተደዊኑ ዘሎ ከተማ ኣስመራ ናይዚ መርኣያ እዩ። እቲ “ሰብዩ ናብ ማይ ዝኸይድ” ዝብል ሕጫጨ ህግደፍ ከኣ ኣይርሳዕን። በዚ መረት ብውግእ ሓሊፉ ኣብ ስልጣን ዝድይብ ኣካል ውግእ ዘተባብዕ ክኸውን ኣይነበሮን።   ኤርትራ ግና ስለ ኣይተዓደለትን ኣብ ኢድ  ብዘይውግእ ዘይሓድር ጉጅለ ስለ ዝወደቐትን ህዝባ በብግዜኡ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ኣብ ጥሙይ ከብዱን ዕሩቕ ዝባኑን ንውግእ ህይወትን ንዋትን ክግብር ይግደድ’ሎ።

ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ብ1995 ምስ የመን ተዋጊኣ። ድሕሪ ውሱን ክሳራ እቲ ዘዋገአ ጉዳይ ብቀዋሚ ናይ ሽምግልና ቤት ፍርዲ መዕለቢ ረኺቡ። ኣብቲ ግዜኡ ከኣ “ስለምንታይ ደኣ ቅድሚ ውግእ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረበ?” ዝብል ሕቶ ኣስዒቡ ሓሊፉ። ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ብኣኽሳርነቱ” ዓለም ዘስደመመ ደማዊ ውግእ ተኻይዱ። ብሰንክቲ ውግእ ካብ ክልቱኡ ወገናት ህይወት ልዕሊ 100 ሺሕ ሰባት ክጠፍእ እንከሎ፡ ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን ከኣ ንብረቶም ዘርሞዘርሞ ኮይኑ፡ ተመዛቢሎም። ኤርትራ ብ1996 ምስ ሱዳንን ብ1997 ምስ ጅቡቲን ዘካየደቶ ውግኣት’ውን ተመሳሳሊ ባህሪ’ዩ ነይርዎ።

ድሕሪዚ እቲ ክሳብ ሎሚ ሳዕቤኑ ዘይሃሰሰ ውግእ ብስምምዕ ኣልጀርስ ታሕሳስ 2000 መሰረት ብዝቖመ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ተዋህብዎስ፡ ብሰንኪ ዘይምግዳስ ህግደፍ’ኳ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይተባህለ፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ኣሎ። እዚ ተረኽቦ ውግእ’ውን ዘይሩዘይሩ ብውግእ ዝውዳእ ምስሕሓብ ስለ ዘየለ “ስለምንታይ ቅድሚ’ቲ ህልቂት ናብ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ዘይተኸደ?” ንዝብል ሕቶ ኣስተብሂሉ ዝመሃረሉ ኣይረኸበን እምበር፡ ምልዓሉስ ኣይተረፈን።

ብ2020-2022 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ዘስካሕክሕ ውግእ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ቅሩባት እንተዝነብሩ ቅድሚ ውግእ መፍትሒ መተረኽበሉ ዝብል ናይ ብዙሓት እምነት’ዩ። ህግደፍ እውን ካብቲ ባዕሉ ክኣጉዶ ዝጸንሐ ውግኣትን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱን ተመኲሩ ከም ጐረቤት ምእንቲ ሰላምን ናይ ሓባር ልምዓትን እንተዘማኽርን ኢደ-እግሩ እንተዝእክብን ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን መድሓነ። ብኣንጻሩ ቀንዲ ኣባጓይላ ኮይኑ ኣብቲ ውግእ ስለ ዝተጠብሰ ናይ ብዙሓት ክሳብ ሎሚ መርደኦም ዘይተነግረ ኤርትራውያን መንእሰያት ሕልፈት ኣኸቲሉ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ዝሓለፈ ውግእ ብዘይምምሃር ነቲ ካብ ኢትዮጵያን ትግራይን ሓሊፉ፡ ኣብ ዞባና’ውን ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትናታትን ውሑስ ኣብ ምዃን ክሕግዝ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑ ኣብ ከባብና ዘንጠልጠለ ጸሊም ደበና ውግእ ምዝናብ ጀሚሩ’ሎ። እዚ ውግእ’ዚ ኣይኮነንዶ ብሰንኪ ጻሕታሪ ኣካይዳ ህግደፍ ኣብቲ ብልሒ ንዘላ ኤርትራ፡ ሳዕቤኑ ንዞባና እውን ሓደገኛ ብምዃኑ ንብዙሓት ዘሻቕል ዘሎ’ዩ።

ከምቶም ቀዳሞት ውግኣት ዝበለዐ ምስ በለዐ ናብቲ ዘይተርፍ ዘተ ምኻዱ ስለ ዘይተርፍ ከኣ፡ ሎሚ’ውን “ስለምናትይ ካብ ውግእ ዝተቋረጸ መስርሕ ሰላምን ዘተን ዘይቅጽል?” ዝብል ሕቶ ዘልዕልን“ካብ ተመኩሮኻ ናይ ዘይምምሃር ሳዕቤን”  ዘመልክትን ተረኽቦ ኮይኑ ዝምዝገብ እዩ።