መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ29ን 30ን ነሓሰ 2026 ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ  ዓንቀጽ 6.1.11፡ ዓመታዊ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ እዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ስግኣቱ ዝያዳ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ከባቢና ብዝተፈላለዩ ቅልውላዋትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምቅይያራትን ኣብ ዝናወጸሉ ዘሎ እዋን  ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መጻኢ ቃልስና  ዝእምት ቃል ኣስሚዑ። መበል 65 ዓመት ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ዝምልከት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከኣ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣመሓላሊፉ።

ኣብዚ ኣኼባ ቀዳማይ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣብ ዝተሰርዐን ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ዝተዘርግሐን ናይ 9 ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብን (ኦዲት)ን ሰዲህኤ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ በብሓደ  ተመዚኑ። ባይቶ ኣብቲ ጸብጻብ ብዘካየዶ ዓሚዪቕ ምይይጥን ገምጋምን ፍሉይ ቆላሕታ ኣብ ዝሃቦም ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ዞባውን ዛዕባታት’ዩ ኣተኲሩ።

በቲ ጸብጻብ መሰረት ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኣብያተ-ጽሕፈት ንዝተራእዩ እወንታዊ ንጥፈታት ኣተባቢዑ፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ፡ መዳይ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ  ኣባልነት ሰዲህኤ ኣብ ዓለም ለኻዊ  ትካል ገስጋሲ ምሕዝነት ዝጻወቶ ዘሎ ግደ ኣተባቢዑን ከም ዝቕጽሎ ኣረጋጊጹን። ምስዚ ብምትሓዝ ከኣ ንዝለዓለ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዓብይ ቆላሕታ ከም ዝወሃብ ኣረጋጊጹ።

በቲ ድሕሪ ዘተ ንክስነድ ዝጸደቐ ጸብጻባት መሰረት፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳያት ሰልፎም ንምሕያል ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ብፍላይ እቲ መስርሑ ጀሚሩ ዘሎ 5ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንምዕዋት ኣበርክተኦም ከም ዘሕይሉ ዘለዎ እምንቶ ኣሕዲሱን ኣተባቢዑን።

 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ “ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን” ኣብ ዝብል ፍሉይ ዛዕባ’ውን ዓሚዪቕ ምይይጥ ኣካይዱ፡ ንህልዊ ኩነታት ሃገርና፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ከባቢናን ዝጸሉ  ምዕባለታት ብምድህሳስ ነዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

1) ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን ብሰንኪ ወጽዓ ህግደፍ ካብ ሓሳረ-መከራን ብኩራት ኩሉ መሰረታዊ  መሰላትን ኣይደሓነን። ኤርትራ ቁጠባኣ ዝዓነወን  መራኸቢ መስኖታት ዘየብላን  ኮይና ከም ዘላ ርኡይ እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ህልዊ ኣሰካፊ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ  ምጥንጣን ሓሊፉ፡ ተወሰኽቲ ግህሰታት ካብ ምፍጻም  ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ሓቂ ከም’ዚ እናሃለወ ግና፡ ዘይብሉ ኣውንታዊ  ምስሊ ተላቢሱ    ንምቕራብ ዝገብሮ መታለሊ  ፈተነታት ኣኼባ ዝመዘኖ ዛዕባ እዩ ነይሩ። በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምውሓስ ዘይሕለል ናይ ሓባር ቃልሶም ንክቕጽሉ ኣኼባ ዕዙዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

2: 1፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን  ዝተፈላለዩ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሰብ መዚ ናይቲ ስርዓትን  ካብ 2023 ጀሚሮም ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ክህብዎ ንዝጸንሑ ዘይሓላፍነታዊ መግለጽታትን ፈኸራን፡ ኣኼባ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ውግእ ምእዋጅ ምዃኑ መዚኑ ኮኒንዎን። ኣብ ኢትዮጵያ ብገለ ኤርትራውያን ወገናት፡ “ስርዓት ህግደፍ ስዒርካ ለውጢ ምምጻእ” ብዝብል ግጉይ ሕሳባት፡ ኣንጻር ልኡላውነት ሃገርና ምስ ዝሰርሕ ብልጽግና ጽምዶ ንምፍጣር  ዝግበር ንዘሎ ምንቅስቓስ’ውን ኣኼባ ባይቶ ብትሪ ነጺግዎ። 

2፡2፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ “ንህወሓት ከነጥፍእ ኢና” ብዝብል፡ ኣብ ውግእ ትግራይ ብምእታው ህይወት ብዙሓት ክሳብ ሎሚ መርደኦም ዘይተነግረ፡ ኤርትራውያን ዜጋታትን ጠፊኡ እዩ። ሎሚ ድማ “ስርዓት ብልጽግና ካብ ስልጣን ከነወግድ ኢና” ብዝብል  ህግደፍ ምስ ህወሓትን ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዕጡቓት ሓይልታትን  ጽምዶ ይፈጥር ኣለኹ ክብል ንከታተሎ ኣለና። ብወገን ኤርትራ ነዚ ተግባር ምናልባት ከም ምክልኻል ልኡላውነት ጌርካ ይውሰድ ይኸውን። ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይካ ምቕጻል ስልጣኑ ካልእ ከምዘየገድሶ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ ጉዳይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ስርዓት ምስቲ ኣቐዲሙ ምስ ብልጽግና ፈጢርዎ ዝነበረ ዕርክነት ልኡላውነት ሃገር  ክከላኸል ሞራላዊ ብቕዓት ከምዘየብሉ ኣኼባ ርእዩ። ሰዲህኤ ረብሓ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ብመትከል ፖሊሲ “ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ንዝግበር ርክብ ከምዘይጻረር ከኣ ኣረጋጊጹ።

2፡3፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ንምቕያር ብዝብል ሰበብ ደቁ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ክኣትዉ ከፍቅድ የብሉን።  እቲ ዘዋጽእ “ኣብ ክንዲ ንውግእ ንሰላማውን ዲሞክራሲያውን ፍታሕ ክስለፍ”  ኣኼባ ኣዘኻኺሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ብገለ ምሁራት ኣቢሉ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ፡ ከም መመሳመሲ ንምውራር ኤርትራ ክጥቀመሉ ከም ዝፍትን’ውን ኣኼባ  ተረዲኡ።

2፡4፡ እቲ ሓቀኛ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርብሕሉ መፍትሒ፡ ልኡላውነት ሃገር ዓቂብካ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝምእዘዝ ስምምዓት ከቲምካ፡  ናይ ሓባር ተጠቃሚ ምዃን ጥራይ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ።  ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ክልቱኡ ህዝብታት ከምኡ ከኣ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላትን ሃገራትን ብዕቱብነት ክሰርሕሉ ኣኼባ ማእከላይ  ባይቶ  ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

3) ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብዚ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ብፍላይ ከኣ ኣብ ጐረባብትና፡ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምግልባጥን ተጸላዊ  ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። በጃ ህዝቡ ኮይኑ ኣድማዒ እጃሙ ናይ ምብርካት ሓላፍነት ከም ዘለዎ’ውን ባይቶ ተገንዚቡ። ነዚ ንክበቅዕ ከኣ ዝተበተነ   ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሙ ምእካብ ዘይስገር ዓላማ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕቃብ ልዑላውነት፡ ምሕላው ሓድነት ህዝብን ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን  ኣብ ዝብሉ መሰረታዊ ኣዕኑድ ኣትኪሉ ናይ ዝተጠርነፈ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ቀጻልነት ንምርግጋጽ ከም ዝሰርሕ ደጊሙ ኣነጺሩ። ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ንክምስረት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ድማ ግደኡ ከም ዘበርክት ብምርግጋጽ  ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኤርትራዊ ኣካላት መጸዋዕትኡ ኣቕሪቡ።

4) ማሕበረ-ኮም ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከባቢ ሲያትል፡ ኣንጻር 13 ንጡፋት ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ኤርትራውያን መስሪትዎ ዝነበረ ክሲ፡ ከም ዝርታዕ ምስ ተረደአ ምስሓቡ ንህግደፍ ዓብዪ ስዕረት ንሓይልታት ለውጢ ከኣ ዓወት ምዃኑ ባይቶ መዚኑ። እቲ ኩነታት ብኸምዚ ንክውዳእ ንዘኽኣለ፡ “ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና” ዘለዎ ናእዳ ከኣ ኣረጋጊጹ።

5) ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን  ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት  ዝኣመሰላ ሰብኣዊ ትካላትን ብሓፈሻ ንድሕነት ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ስደት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሊቢያ ዝሳቐዩ ዘለዉን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝከላበቱን  ብዝምልከት ኩሉ ዝከኣለን ሰብኣዊ ሓለዋ ንክገብራ ባይቶ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ስርዓት ህግደፍ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ንከይምዘዘ ንዝገበሮ ፈተነ ንዝነጸጉ ወገናት ከኣ ኣመስጊኑ።

6) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ጐረቤትና ሱዳን ንዝያዳ 3ተ ዓመታት ዝቐጸለን ኣብ ልዕሊ ህዝብና’ውን ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕደረን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ሱዳናውያን  ህልቂትን ዕንወትን ዘኸትል ዘሎን ኣብ ግምት ብምእታው፡  ሱዳን ከይትከፋፈል ዘሎ ስግኣት ብምስትውዓል፡ ሱዳናውያን ካብዚ ኣብራሲ ውግእ ወጺኦም፡ ጉዳዮም ንናይ ግዳም  ሓይሊ ምትእትታው ኣሕሊፎም ካብ ምሃብ ክጥንቀቑን ብሰላምን ልዝብን ክፈትሕዎን ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 6.1.17. ትሻዓተ ዝኣባላታ ንቀጻሊ ሓደ ዓመት እትመርሕ ፈጻሚት ሽማግለን ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ገንዘብን መሪጹ። ድሕሪ’ዚ ንመድረኻዊ ተርእዮታትን ብድሆታትን ዘንጸባርቑ፡ ሰልፊ ኣብ መጻኢ እንታይ ክሰርሕ ከምዘለዎ ዝእምቱ ኣገደስቲ ለበዋታት ብምቕራብ ባይቶ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ዲሞክራሲን ምዕባለን ንቃለስ!

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

02 መስከረም 2026