ባሕቲ መስከረም ዝተወለዐት ሽምዓ ቃልሲ፡ ሎሚ’ውን ትበርህ’ላ!
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፈሪኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዘረጋገጾ ብጉልበትን ሃብትን ናይቶም ኤርትራውያን ደቀባት ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋንቲ ምስዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ሃንጐፋይ ኢሉ ኣይረዓሞን።
ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ ሃገራት ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ተጽዕኖ ዝነበሮም ሓያላት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ስለ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።
ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ; መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየማልኣን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ መሊኡ ፈረሰ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ምስተጠልመ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ ከኣ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ ነይሩ።
ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምዛዞምን ድማ፡ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።
ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣፍልጦ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።
ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20 ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ናብ ቃልሲ ክሳብ ነጻነት ኣየቋረጸን።
እቲ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብ ጉዕዞ የጋጥሞ ንዝነበረ ውሽጣዊ ምፍንጫላትን ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ከፊሉ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993፡ 99.8% ካብ ህዝቢ ኤርትራ “እወ ንናጽነት” ብዘድመጸሉ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ፡ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ምውጋድ’ውን እዩ ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ድሕሪ ነጻነት ክቕጽል ባህርያዊ ዝኸውን።
ባሕቲ መስከረም እዚን65 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ብዛዕባ ምጅማሮምን ዘርኣይዎ ሓርበኛዊ ቃልስን ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን እዩ።
እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ቅሱናት’ዮም። ህሉዋት ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ተረካቢ ሕድሪ ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” ንዝተባህሎ ናይ ምዕማም ግደታ ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና፡ በቲ ዝተጠቕሰ ክቡር ዋጋ ዝተረጋገጸ ናጽነትን ሉእላውነትንሃገር ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ኣብ ዘሰክፈሉ፡ ሓቢርካ ምቅላስ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ብደምን ኣዕጽምትን ተነዲቑ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝተዋሕሰ ልኡላውነትና እንደጋና ንድሕሪት ክመልሱ ዝደልዩ ኣካላት ዓመጸኛ ድምጾም ይስምዕሉ ኣብ ዘለዉ፡ ብሓፈሻ ሓላፍነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ግደ መንእሰይ ኤርትራ መተካእታ ዘየብሉ ምዃኑ ምስትውዓል ከኣ ኣገዳሲ እዩ።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ባሕቲ መስከረም 2026

