ተጠቃምነት ወደብ’ውንኮ፡ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን!

ተጠቃምነት ወደብ’ውንኮ፡ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን!

ተጠቃምነት ወደብ’ውንኮ፡ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን!

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኣብ ዓለምና ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናታ ተፈጥራዊ ሃብትን ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ኣለዋ። ህልውናኣ ዝረጋገጽ፡ ብህዝባ’ኳ እንተኾነ፡ ብዝተፈላለየ መልክዓ ዝግለጽ ተፈጥሮኣዊ ሃብታን ጸጋኣን ከኣ ዕዙዝ ግደ ኣለዎም። ከም ሃገር ዘለካ ሃብቲ ንበይንኻ እትግልገለሉ ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዘለካ ሃብቲ ምስ ካለኦት ንናይ ሓባር ረብሓን ሰላማዊ ርክብን ክትዛመድ ናይ ግድን ስለ ዝኸውን። እዚ ብናይ ካለኦት ጸጋ ጥራይ ምጥቃም ማለት ኣይኮነን።  ዓለምና ብሕግታት፡ ናይ ሓባር ውዑላትን ስምምዓትን ትምራሕ ኣብ ዘላትሉ ዘመን ብመተከል “እንካን ሃባን” ሃገራት ዘዘለወን ዓቕሚ ሒዘን ክጠቓቐማ ዘይስገር’ዩ።  

ምስ ዕቤት ሃገራትን ምምጻእ መንግስታትን፡  ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዝምድናታት መልክዓት ሒዙ፡  ነጻነትን ልኡላውነትን ተዛመድቲ ሃገራት ብዘውሕሱ ሕግታትን ውዑላትን ተቓንዩ፡ ሕድሕድ ተጠቃምነት ዘረጋግጽ ኣህጉራውን ዞናውን ትካላት ንክቐውም ኣኽኢሉ።  በዚ መሰረት ሃገራት  ዓቕመን  ኣወሃሂደን ንገዛእ ርእሰን ተጠቒመን ካልኦት ንምጥቃም  ጸሚደን ኣብ ዝዋሰኣሉ እዋን ኢና ዘለና።  ስለዚ ድማ’ዮም ህዝብታት ንዕብየት ሃገሮምን ሃብቶምን፡ “ፈጣሪ ንዓና ፈጢሩ፡ ንሕና ድማ ንሃገርና ፈጢርናያ” ክብሉ ዝስምዑ። ብኣንጻሩ ስሱዓት፡ ናይ ካልኦት ሃብትን ልኡላውነትን  ክምነዩ’ዮም ዝረኣዩ።   

በዚ መንጽር፡ ኢትዮጵያ እኹል ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዘለዋ ሃገር ክነሳ፡ ዘዝመጹ ስርዓታታ ኣብ ውግእን ህውከትን ስለ ዝጸምድዋ  ካብ  ድኽነትን ሕሰምን ኣይወጸትን። ዘይምውጻኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብዚ ጸገማ ንምውጻ ኣብ ክንዲ ናብ ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ጐረባብታ ናብ ህልኽን ዓመጽን ክትሽመም ምጽነሓን ምህላዋን ኣዝዩ ዘስደምምዩ።

 እቲ ኣብዚ እዋንዚ ብብልጽግና ኣንጻር ኤርትራ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ተጠቃምነት ወደብ  ዘይኮነ፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ደምሲስካ ናብ ግዝኣትካ ናይ ምእታው ምዃኑ፡ ግጉይ  መንገዲ ዝምድና ናይ ምሓዝን ኣሉታዊ  ሳዕቤኑን ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ ዘሎ እዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ከኣ ካብዚ ሓቂ’ዚ ንምሕባእ “ተጠቃምነትን ዋንነትን” ደዋዊስካ ክትሕባእ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓሉን።

እቲ ኣገራሚ ኮይኑ ዘሎ ካልእ ተረኽቦ፡ ነቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣፎም መሊኣም ብእዉጅ ሕቶና ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዝፈቕዶ ወደብ ናይ ምጥቃም ዘይኮነ፡ “እንተ ብቦሌ እንተ ብባሌ ወደብ ዓሰብ ምውናን እዩ” ዝብልዎ ዘለዉ፡ ከጸባብቕሎም ዝፍትኑ ኤርትራውያን ወገናት ምህላዎም ኣነዋርን ዝኹነንን ኮይኑ’ሎ። እዞም በዚ ኣገባብ ምስ መንግስቲ ብልጽግና ብግሁድን ብስዉርን ዝደናገጹ ዘለዉ ኤርትራውያን ይውሓዱ ይብዝሑ ብዘየገድስ፡ ተግባራቶም ንሓርበኛዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽሕድ ስለዝኾነ፡ ብዓንተብኡ ክግታእ ይግበኦ።  

ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ወገናት፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ኮይና ክንቃለስ ኢና” ምባሎም መሰሎም ኮይኑ፡ “ንሉኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ቀይሕ መስመር ከይትጥሕሱ  ሓደራ” ብዝብል ክንገሮም ንዝጸንሐ ምኽርን ማዕዳን ኣይኮነንዶ ክቕበልዎ፡ መሊሶም ዘጋድድዎ ዘለዉ ህንጡያት እዮም። ብድብድቡ “ኢትዮጵያ ንኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ናብ ኤርትራ ዘቕረበቶ ሕቶ ቅቡል እዩ”  ዝብል  ሸፋጢ ድምጺ፡ ኣብ’ዚ ወሳኒ እዋን ካብ ገለ “መራሕቲ ምንቅስቓስ ኢና” በሃልቲ ኤርትራውያን ምስማዕ፡ ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውደቤታቱን ዝጽበዮም  ዘሎ ቃልሲ ክብደትን ኩለ-መዳይነትን ዘርኢ እዩ። ኣብዚ ኤርትራውያን መራሕቲ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ናይቶም ዝመዘዝዎም ኣባላት እምበር፡ ውክልና ህዝቢ ኤርትራ ከምዘየብሎም ክግንዘቡ ይግበኦም። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብዝመረጾ ክምራሕ ዕድል ዘይረኸበ፡ መተካእታ ዘየብሉ ዋና ልኡላውነቱን ሃገሩን እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ናብ ንቡር ተመሊሱ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘኽብር ኣብ ዘየረጋገጸሉ፡  ብዛዕባ ኣጣቓቕማ ወደባትዶ ብዛዕባ  መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ምዝራብ ከምቲ “መርዓዊ ዘይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝበሃል፡ ህዉኽ ህርፋን እዩ ዝኸውን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብወገን ኤርትራ’ውን ሕገመንግስታዊ ህዝባዊ ውክልና ብዘለዎ መንግስታዊ ስልጣን ዝትግበር እምበር፡ ዝኾነ ውዳበ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ኣብ ዘይምልከቶ ቃል ዝኣትወሉ ዛዕባ ኣይኮነን። 

ናይ ብልጽግና ዓመጸኛን ታሪኽ ዘዘንብዕን ሕቶ ንምርጓድ፡ ነቲ ብምሉእ ተሳትፎ፡ ጽንዓትን ትብዓትን ህዝብን ተጋደልትን ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጻ ንምውጻእ ዝተኻየደ መሪር ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ከነኣእስዎ ምስ ጸንሑ፡ ሎሚ ድማ ኣግሂዶም፡ “ግጉይ ታሪኽ ዝተሰርሓሉን ኢትዮጵያውያን ዝደመይሉን ምዕራፍ እዩ ነይሩ” ዝብል ክትሰምዖ ዘደንጹ ቃል፡ “ኤርትራውያን ኢና” ካብ ዝብሉ ብርኢቶ  ናብ ብልጽግና ብዝተጸግዑ ምስማዕ ክሳብ ክንደይ ኣቐንዛውን ብዓንተብኡ ክኹለፍ ዝግበኦን ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።  ናይዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ንቃልሲ ህዝብና ዘይምጥን ኣቕጣጫ ሒዞም ዘለዉ ወገናት መንቀሊ፡ ምናልባት “ካብ ናጽነትዶ እንታይ ተጠቒምና ኢና?” ብዝብል ዘየገናዝብ ስምዒት ዝተደፍአ ከም ዝኸውን ምግማቱ ኣየጸግምን።

እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ ኩሉ ዕድላቱን ጸጋታቱን ብፍላይ ከኣ ካብ ኣገልግሎት ወደባቱ  ተጠቃሚ ዘይኮነሉ ምኽንያት፡ ሃገሩ ናጻን ልኡላዊትን ስለ ዝኾነት  ዘይኮነ፡ ድሕሪ ናጽነት   ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ፡ ቅኑዕን ውሕሉልን ምምሕዳር ብሰንኪ ዘይምርካቡ ምዃኑ ዘይስገር መሰረታዊ መርተዖ እዩ። መጻኢ ቃልስና ድማ፡ ንናጽነት ኤርትራ ብናይ ግዳም ሓይልታት ተቓኒኻ ንድሕሪት ምምላስን ናብ ኢድ እቶም ብናጽነታ ዘይቀሰኑ ዓመጸኛታት ምርካባን ዘይኮነ፡ ንህዝብና  ዝምጥን፡ ህዝባዊ፡ ቅዋማዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ዲሞክራሲያውን ትካላውን ስርዓት ክምስረት መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ምቅላስ ጥራይ እዩ።

“ወደብና ኢትዮጵያ እንተዘይተጠቒማትሉ፡ ቁጠባዊ ረብሓ የብሉን”፡  ዝብል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ሓቂ እዩ። ወደብና ዝጥቀመሉ ናይ ምስኣኑ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ፡ “ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ብዝተሰረተ ቁጠባን  ጽቡቕ ጉርብትናን” ብዝተቓነየ ፖሊሲ ዝምራሕ ምርጫ ህዝቢ ዝምርጭኡ መንግስቲ ስለ ዘየለ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ እዩ። ጥዑይ ምምሕዳር እንተዝህሉ፡ ተጠቀምቲ ክሳብ ዝመጽዎ ከይተጸበየ፡ “ንወደብና ተጠቐምሉ” ብዝብል ክጽውዕን ክጉስጉስን እውን ንቡር መኾነ። ብወገን ኢትዮጵያ ታሪኽን ህልዊ ኩነታትን ከየገናዘበ  ዝዕንድር፡ ካብ ዘቤታዊ ዕማሙ ዝሃድምን “ኤርትራ ከም እንመልሳ 1000% ርግጸኛታት ኢና”  ዝብል ፈካሪ ሓይሊ  ኣብ ስልጣን ምህላዉ እቲ ዓብይ ዕንቅፋት እዩ።

ስለዚ እዩ ድማ ናይ ሎሚ ቀዳምነትና፡ “ኣጠቓቕማ ወደብ ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ምዝታይን ምስምማዕን” ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ቅድሚ ሕጂ ዝኸተመቶም ስምምዓትን ኣኽቢራ፡ ኣብቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ልኡላውነትና ክሳብ እትእመን ሓቢርካ ምቅላስ ዝኸውን። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ዘዝረኸብካዮ መድረኻት “ብወደብና ክትጥቀሙ ጸገም የብልናን” እናበልካ መብጸዓ ምእታው ንገዛእ ርእስኻ ተጋጊኻ  ንኻልኦት’ውን ምምጋይ እዩ ዝኸውን።

ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር፡ ኣብ ጐረቤታ ሃገር ብዘሎ ወደብ ናይ ምጥቃም መሰል ከም ዘለዋ ክትንትኑ ይስምዑ እዮም። እንተኾነ እዚ’ውን ኣህጉራዊ ሕግታት ብዘኽብር፡ ናይታ ዋና ወደብ ሃገር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብዘይጥሕስን ዞባዊ ምርግጋእ ብዘይጻባእ “እሂንምሂን” ዝትግበር እምበር፡ “ዓንቀጻት ቆንጪልካ ብምውሳድ  ወይ ኢድ ጠዊኻ ብሓይሊ” ዝረጋገጽ ኣይኮነን። “እንተ ክንብርኩት ዘይክንቡርክት ኣብ ማይ ንብጻሕ”  ከም ዝበሃል፡ ኣብ መንጎ ወሃቢ ኣገልግሎትን ተገልጋልን ሃገራት ምትእምማንን ጽቡቕ ጉርብትናን ምፍጣር መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።