ህግደፍ መጀመርታ ግዳ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕረቕ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኣብዚ ዘለናዮ ውዑይ ነነብስኻ ናይ ምድሓን ፖለቲካዊ ምግልባጥ ዓለምና፡ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብቲ ተጠማቲ ኮይኑ ዘሎ ኩርነዓት ሓደ ምዃኑ ንዕዘቦ ኣለና። ኣብ ዞባና ይረአዩ ካብ ዘለዉ ፖለቲካዊ ዛዕባታት “ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ዝምድና ለውጥታት” ሓደ ኮይኑ’ሎ። እዚ ብደረጃታት ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኩነታት ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ኣካልዚ ናይ ኣሰላልፋ ማዕበል እዩ።
ነዚ ቅልጡፍን ተገላባጥን ፖለቲካዊ ማዕበል ጐረባብትናን ዞባናን ቀንዲ ዝቕልስዎ ዘለዉ ናይ ርሑቕ ሰብ ዓቕሚ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብቐንዱ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም ዝዋስእሉ ዘለዉ ናይ ቀረባ ተሰለፍቲ ከኣ ኣለዉዎ። ኣብዚ መስርሕ ደረኽቲ ኣጀንዳታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ስልጣንን ካብኡ ዝርከብ ረብሓን እምበር፡ ህዝብን ባህጉን ዘማእከሎም ኣይኮኑን። ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝዋስኡ ዘለዉ መንግስታት፡ ኤርትራ፡ ግብጺን ሱዳንን ቀወምቲ ተለፍቲ ኮይኖም፡ ምንቅስቓሳት ትግራይ፡ ፋኖ ኣምሓራ፡ ኦጋደንን ጋምቤላን ድማ ኣሰሮም ሒዞም ዝጐዓዙ ዘለዉ እዮም።
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ውግእ ትግራይ ንዝነበረ ኣሰላልፋ ብልጽግና፡ ህግደፍን ካለኦትን “ድሕሪ ውግእ ዘቐጽልሉን ኣርሒቑ ዝጥምትን ናይ ሓባር ኣጀንዳ የብሉን” ዝበልናዮ፡ ናይዚ ሎሚ ህያው ዘሎ ምጉጅጃል ትሕዝቶን ተልእኮን’ውን ኪኖ ውግእ ምእንቲ ስልጣን ዝስራዕ፡ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወን ነዊሕ ዕድመን ራኢን ዘለዎ’ዩ ክትብሎ ዘጸግም እዩ።
እቲ ንመሸፈኒ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ብህግደፍን ህወሓትን ዝተጀመረ ጽምዶ፡ “ይሰፍሕን ይሕይልን ኣሎ” ክበሃል ይስማዕ እዩ። እዚ ጽምዶ ከምቲ ዝዝረበሉ፡ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሓቀኛ ርክብ ዘይኮነ፡ ውሱን ዓንኬል ዝግልገለሉ ናይ ውግእ ምቅርራብ ምዃኑ ዝገመቱን ሓቀኛ ተልእኮኡ ከነጽር ክጽውዑ ዝጸንሑን ብዙሓት እዮም። በመጽር’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብ16ን 21ን ነሓሰ 2025 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ፡
“እዚ ዝምድና ኣድማዕን ቀጻልን ንክኸውን፡ ብተሳትፎን ኣፍልጦን ህዝብታት ዝደልደለ፡ ትካላዊ መሰረት ዝሓዘን ውሱናት ጉጅለታት ንጸቢብ ናይ ውግእ ድሌቶም ዘይጨውይዎን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ነዘኻኽር። እንተቲ ንዕዘቦ ዘለና “ጽምዶ” እቲ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ክልቲኡ ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝቢ ናይ ምቕጻል ውሕስነት ዘየብሉ ርክባት ግዝያዊ እፎይታ ዘለዎ’ኳ እንተመሰለ፡ እቲ መስርሕ ምስጢራዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ጽልኢ ዝተሰረተ ፖሊቲካውን ወተሃደራውን ምሕዝነት ምዃኑ ግሁድ ምልክታት ኣለውዎ። ከምዚ ዝበለ ጽምዶ ኣብ ሎሚ በጺሑ ካብ ሕቡእ ናይ ሸርሒ ተዋስኦ ህግደፍ ነጻ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት የብልናን።” ምባሉ ይዝከር።
እቲ ርክብ ከምቲ “ህዝቢ ምስ ህዝቢ” እናተባህለ ዝተዘመረሉ ዘይኮነ፡ ከምቲ ብዙሓት ምኩራት ዝገመትዎ ወተሃደራዊ ምንባሩ በቲ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ህግደፍን ህወሓትን ብ2 ነሃሰ 2026 ኣብ ጉሎመኸዳ በሪኽ ሑጻ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብዝገበርዎ ርክብ ተጋሂዱ’ዩ። ነዚ ናይቲ ትማሊ ንሳቶም ብዝመርሕዎ ደም ንጹሃት ዘፍሰሰ ውግእ፡ ምስቲ ጸሓፊ ህግደፍ ዝነበረ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ መበል 60 ዓመት ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት “ኣነ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ ሰብ ክብሎ ዝደሊ፡ ገጥ ኢልና በቲ ሓደ ወገን ኢትዮጵያ ከይትበታተንን ከይትገማማዕን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ወያነ ዳግማይ ናብ ስልጣን ከምዘይትመጽእን ኢና ክንገብር ዘለና። እዚ ኣነ ዝኣምኖን መንግስቲ ኤርትራ ክኣምኖ ዝደልዮን እዩ። ኢትዮጵያ ዋላ ትበታተን ዝብሉ ኤርትራውያን ኣለዉ። እዚ ኣረኣእያኦም ፈጺሙ ግጉይ እዩ። ኢትዮጵያውያን ምስ ትግራይ ይኹን ምስ ኦሮሞ ዘለዎም ጉዳይ ንሕና ኢድ ከየእተና ባዕሎም ክፈትሕዎን ምስ ጐረባብቶም ኣሳንዮም ክነብሩን ኣለዎም።” ዝበሎ ዘኪሮም ዝግረሙ ብዙሓት ኣዮም።
ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብቲ ቃለ-መሓትቱ፡ ናይቲ ጸሓፊ ኮይኑ ዝመርሖ ዝነበረ ጉጅለ ህግደፍ ብሕቱ ዝዝውሮ መንግስቲ ክቱር ምልኪ ከንጸባርቕ እንከሎ፡ “ ካብዚ ሓሊፉ ንሕናኸ እንታይ ኢና ንሰርሕ፡ ነቲ ናትና ኣብ ባይታ ዝመርሕ ዘሎ ፈጻሚ ኣካል ጥራይ ዝግደፍ እምበር ንኻልእ ዝምልከት ኣይኮነን።” ምባሉ ከኣ ተዛካሪ እዩ። ምኽንያቱ እቲ “ኣይምልከቶን” ዝበሎ ህዝቢ ኤርትራ ማለቱ ስለ ዝኾነ።
ውግእ ትግራይ 2020-2022 ከይክፈት፡ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ለውጢ ውዳበታቱን ብተደጋጋሚ ተማሕጺኖም እዮም። ብሰንክ’ቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ብዝወረደ ኩለ-መዳያዊ ጉድኣት ሓዘኖም ገሊጾም፡ ናብ መድረኽ ሰላም ክምጻእ ዝጸውዑ ኤርትራውያን’ውን ብዙሓት’ዮም። ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ እቲ ህግደፍ ተሳታፋይ ዝነበረሉ ደማዊ ውግእ ምስተኸፍተ፡ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ፡ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ውግእን ምቅትታልን ደው ክብል ንጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ድማ ብትሪ ንዅንን።” ዝበሎ ከኣ መርኣያ ሓላፍነታዊ ሓልዮቱ እዩ።
ህውከት ብቐጻሊ ከቋርጽ ብላዕለዋይ ኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ፡ መቕዘፍቲ ደቁ ዘድሓነ ስለ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ’ ደገፉ ገሊጹ እዩ። ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግና ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ሰላም ሕርቃኑ ምጽዋር ስኢኑ፡ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት ብዘይሕፍረት “ተኾሊፍና ኢና” እዩ ኢሉ። እነሆ ሎሚ ግና ከምቲ “ንሰፍላላስ ይፈጥረላ” ዝበሃል፡ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ተኾሊፉ ዝነበረ ሸውሃት ውግእ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኽፍት ተረኺቡ ተባሂሉ “እንኳዕከ ከምዚኣ በለት’የ” ይበሃል ኣሎ።
ኣብ ተመኩሮ ህግደፍ፡ ተንኮልካ ሓቢእካን ደላይ ደሓን መሲልካን ንምብላጽ እንተዘይኮይኑ፡ ሓቀኛ ዕርቅን ሕድገትን ከምዘይፈልጥ፡ ኣይኮነንዶ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ካብቶም ነባራት መዛምድቶም’ውን ዝተሰወረ ኣይኮነን። ህግደፍ ሓቀኛ ዕርቂ ናይ ህዝብታት ኮነ ናይ ሰላም ድሌት እንተዝህልዎ፡ ቅድሚ ኩሉ ነቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ናይ ጨቋንን ተጨቋንን ዕርዲ ኣፍሪሱ መተዓረቐ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ከኣ፡ “ህግደፍ መጀመርታ ግዳ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕረቕ” ንብል ዘለና። እንተኾነ ዕርቅን ስኒትን ኣብ ቋንቋ ህግደፍ ቦታ የብለንን።

