በርሊን ኮንፈረንስ ንምክፍፋል ኣፍሪቃ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
“ምክፍፋል ኣፍሪቃ” ዝዓለመ፡ “በርሊን ኮንፈረንስ” ሕዳር 1884ን ለካቲት 1885ን ኣብ ከተማ በርሊን ተኻይዱ። ተልእኮኡ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ ንኣፍሪቃ ተኸፋፊልካ ምሓዝ ዝነበረ ውድድርን ምትፍናንን ንምፍታሕ ነይሩ። ተሳተፍቲ ናይቲ ኮንፈረንስ ናይ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ዓባይ ብሪታንያን ወሲኽካ፡ 19 ልኡኻት ሃገራት ነይሮም። ተሳተፍቲ ኣብዚ ኮንፈረንስ፡ “እዚኣ ንእገለ እቲኣ ንእገለ” እኳ እንተዘይተበሃሃሉ፡ ንኣፍሪቃ ብኸመይ ከም ስጋ ጉዚ ከም ዝካፈልዋ ሓፈሻዊ መረዳድኢ መደብ ኣውጺኦም። እዚ ኩሉ ክግበር እንከሎ ተሳትፎ ናይቶም ዋናታት ኣፍሪቃውያን ኣይነበረን ኣብ ግምት’ውን ኣይኣተዉን። መሰረታዊ ዓላማ ናይቲ ወራር ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ጉልበትን ኣፍሪቃ ምምዝማዝ እዩ ነይሩ።
ካልእ እቲ ኮንፈረንስ ዝለዓለ ግምት ዝሃቦ ናይተን ንኣፍሪቃ ወሪረን ዝሕዛ ሃገራት ኤውሮጳ ንግዳዊ ናጽነት ምኽባር እምበር፡ ንሰብኣውነት ግምት ዝሃበ ኣይነበረን። በርሊን ኮንፈረንስ ኤውሮጳዊ ረብሓ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ንመሰልን ኣተሃላልዋን ኣፍሪቃውያን ግና ዝሃቦ ግምት ኣይነበረን። በዚ መሰረት ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብዘይካ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ወዲቐን። ብ1870፡ 10% ዝነበረ መግዛእቲ ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ ብ1941 ናብ 90% ዓሪጉ። በዚ ብመንጽር’ዚ፡ ውርሻ ኮንፈረንስ በርሊን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ኣብ ታሪኽ መግዛእቲ ዘይርሳዕ ኣሉታዊ በሰላ ዝገደፈን እዩ። ንኣፍሪቃን ህዝባን ከኣ ናብቲ ክሳብ ሎሚ ስምብራቱ ዘይጠፈአ ዘይርሳዕ መሪር ምዝመዛን ምስሕሓባትን፡ ዘእተወ እዩ።
ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ1869 ብሓንቲ ኢጣልያዊ ኩባንያ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝጸንሐ ምስ ምግዛእ ንእሽቶ መሬት ዝተሓሕዝ ምስፍሕፋሕ ተደሚሩ፡ ኢጣልያ ስልታውን ሰላሕታውን ጉዕዞ ከተካይድ ምስ ጸንሐት፡ ብ1890 ከም ውጽኢት ስምምዕ በርሊን ኮንፈረንስ ንኤርትራ ወሪራ ሒዛ፡ ምስዚ ሎሚ ሕዛቶ ዘላ ቅርጻ፡ ኣፍደገ ባሕርን ዶባታ ምስ ጐረባብታ ሃገራትን ከም ሓንቲ ግዝኣታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ብወግዒ ኣወጀት።
ኢጣልያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንኤርትራ ብምግዛእ ስለ ዘይዓገበት፡ ብ1896 ንኢትዮጵያ ከም 2ይቲ ግዝኣት ክትደግማ ኣብ ዓድዋ ውግእ ኣፎታ። እንተኾነ ብንጉስ ምነሊክ ዳግማዊ ብዝምራሕ ሓይሊ ኢትዮጵያ ስለ ዝተሳዕረት፡ ናብታ ኣቐዲማ ዝሓዘታ ግዝኣታ ኤርትራ ተመልሰት። ኢትዮጵያውያን ከኣ ሃገሮም ካብ ወራር ኢጣልያ ኣድሒኖምን ዓወት ኣጸጽንቢሎምን ናብ ዝመጽዎ ተመለሱ እምበር፡ ናብታ ዘይናቶም ኤርትራ ኣይተመጣጠሩን።
እዚ ኤርትራ ከም ሃገር ዶባታ ዝተሓንጸጸሉ ታሪኻዊ መግዛእታዊ መስርሕ ኣብኣ ዝተደረተ ዘይኮነ፡ ኣካል ተመኩሮ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ እዩ። እዚ ከኣ በቲ ብ1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ዘመነ መግዛእቲ “ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ ከመይ ይወሰን?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብ1964 ኣብ ካይሮ ብዘጽደቖ ደክሌረሽን፡ ነቲ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ብዝጥዕሞም ዝሓንጸጽዎ ዶባት ምቕያር፡ ናብ ዘይወጽዎ ዓዘቕቲ ከውድቖም ከም ዝኽእል ስለ ዝተረድኡ፡ “ንመግዛእታዊ ዶባት ከም ዘለዎ ንቀበሎ” ኢሎም ወሲኖም። ሎሚ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘልዕልዎ ዘለዉ መጐት፡ ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ግደ መራሒ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሴን ክረአአ እንከሎ ደረቱ ዝሓለፈ ትምክሕትን ስሰዐን ክሳብ ክንደይ ምስ ታሪኾም ከም ዝራጸም ምርዳእ ኣየጸግምን።
ብ2 ጉንበት 1889 ኣብ መንጎ ንጉስ ኢትዮጵያ ምኒሊክ ዳግማውን ኢጣልያን ኣብ ውጫለ ዝተኸተመ ንኤርትራ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበ ናይ ሰናይ ጉርብትና ስምምዕ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዝነበሮ ስምምዕ ኣዲስ ኣበባ 26 ጥቅምቲ 1896፡ ከምኡ ድማ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ናይ ምንጻር ስምምዓት 1900፡ 1902ን 1908ን ክውሰኽዎ እንከለዉ፡ “ኤርትራ ይኹን ባሕራ ናይ ኢትዮጵያ ነይሩ” ዝብሃል ሃበስቀደስ ሚዛን ዘይወሃቦ መስመሩ ዝሰሓተ ዕብዳን ምዃኑ ርኡይ እዩ።
እዞም ታሪኻዊ ሓቅታት እዚኣቶም፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተቐባልነት ከም ዘለዎም ንምርግጋጽ፡ ኣብ ካልእ ሰፊሕ ዝርዝር ከይኣተኻ፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ውዕላትን ስምምዓትን መሰረት ብምግባር ብዝተበጽሐ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወሰነ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ግና ድማ ብሰንኪ ምዕጥጣይ መራሕቲ ኢትዮጵያን እኩይ ጉርሒ ጉጅለ ህግደፍን ናይ መወዳእታ መልክዑ ዘይሓዘ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኩሉ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ብምዃን፡ ተዓሚትካ ናይ ምጉያይ ህርፋን መራሕቲ ብልጽግና ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘገርም ኮይንዎ ዘሎ እዩ።
ዓለምለኻዊ ሕግታትን በብግዜኡ ብመራሕቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተሙ ስምምዓትን ዘንጊዕካ፡ “ቁጠባይ ስለ ዝዓብየ’ባ ህዝበይ ስለ ዝበዘሐ፡ ንኣገገልግሎት ወደብ ዝኸፍሎ ዋጋ ስለ ዝነሃረ” ዝብሉ ዕባራ ምኽንያታት እናዘርዝርካ፡ “ዘይናትካ መሬትን ባሕርን ተዘይወሰድኩ” ምባል፡ መርኣያ “እትብሎ እምበር፡ ዝበሃለካ ዘይምስትውዓል” ሕማቕ ባህሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።
ረፈረንደም ኤርትራ ጌና ቅድሚ ምጅማር ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝነበረ ሓሳብ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ከም ሰላማዊ መፍትሒ ዝቐርብ ዝነበረ፡ ኣብ ድሮ ውድቀት ደርጊ ኣብ ለንደን ዝተወሰነ፡ ኣብ ናይ 28 ሰነ 1991 ኮንፈረንስ ኢትዮጵያውያን ኣዲስ ኣበባ ዝተላዕለ፡ ብኣፍልጦን ናይ ቀረባ ተዓዛብነትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝምልከቶም ትካላትን ዝተኻየደን ውጽኢቱ ዝጸደቐን እዩ።
እዚ ረፈረንደም ናይ ኤርትራ ሃገርነት ዝፈጠረን ሓድሽ ዶብ ዝሓንጸጸን ዘይኮነ፡ ናይታ ውጽኢት መግዛእቲ ዝኾነት ቅድሚ ኢትዮጵያ ነዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ዝሓዘት ኤርትራ ልኡላውነት ዘድመቐ እዩ። ነዚ ብህዝቢ ይመረጽ ኣይመረጽ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ዝፈቕዶ ወይ ዝኽልክሎ ኣይነበረን። እቲ ዝኾነ ከኣ ከምኡ እዩ።
ብልጽግና ከምቲ “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” ዝበሃል፡ “ኢህውደግ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ክነሱ ንኤርትራ ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂቡዋ” እናበለ እዩ ክኸስስ ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ። እዚ ሎሚ ብብልጽግና ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽዑ ኣብ ስልጣን እንተዝነብርከ፡ ነዚ ነዛ ድሕሪ ኤርትራ ነዚ ህልዊ መልክዓ ዘትሓዘ ኢትዮጵያ ወኪሉ፡ ዳግማዊ ምነሊክ ዝኸተመሉ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን መተሓሰሞ ነይሩ ማለቱ ደኾን ይኸውን?

