ሳዋ፡ እታ እንኮ ስራሓ ዝቐጸለት ፋብሪካ ህግደፍ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ መብዛሕተአን ኣብ ኣስመራ ዝተመስረታ ኣስታት 728 ናእሽቱን ማእከሎትን ምዝጉባት ኣፍረይቲ ፍብሪካታት ከም ዝነበረኣ ሰነዳት ይሕብሩ። እዘን ኣፍረይቲ ትካላት ብሰንኪ ተኸታተልቲ ገዛእቲ ሓይልታት ዝወሰድዎ ኣዕናዊ ስጉምታት ገሊአን ክዝመታ እንከለዋ፡ ዝተረፋ ድማ ዓንየን’የን። ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ እዘን ትካላት ናብ ኣርባዐተ-ሓሙሽተ ወሪደን። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣይኮነንዶ ሓደስቲ ክትከላ ካብተን ኣብ ኣፍ ሞት ዝጸነሓ ዝተሓደሰት’ውን የብለንን።
ሓይልታት መግዛእቲ ካብ ዕላማታቶም ሓደ፡ ንኤርትራ ብቑጠባ ደቚስካ ነብሳ ዘይትኽእል ተጸባይት ምግባራ ሰለ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ፋብሪካታት ኤርትራ ዝወሰድዎ ስጉምቲ እትጽበዮ ነይሩ። ብኣንጻሩ ካብቲ ኣካል ህዝቢ ኮይኑ ንናጽነት ኤርትራ ክቃለስ ጸኒሑ፡ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል እትጽበዮ፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዳገመ-ህንጸት ከካይድ ነይሩ። እንተኾነ ህግደፍ ኣብዚ መዳይዚ ዝተኸተሎ መንገዲ ቁጠባዊ ሕውየት ምምጻእ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊቲ ዝጸንሐ ድኽነት መሊስካ ምድራብ እዩ ኮይኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ ዳግመ-ህንጻ ሃገር ከም ዘይምልከቶ ጓና፡ ናይተን ዝዓነዋ ፋብሪካታት ዛንታ እንዳ ዘርዘርካ ምቑዛም ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ እታ ብዘይምቁራጽ ትቕጽል ዘላ ብሕታዊት ትካል ህግደፍ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ እያ። ሳዋ ኣብ ኣውራጃ ባርካ፡ ካብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ካብ 25-30 ካብ ኣስመራ ድማ 283 ኪ/ሜ ርሒቓ እትርከብ እያ። በቲ ዘለዋ ኩለመዳያዊ ጥጡሕነትን ጽንዓትን ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈላለያ ክፍልታት ዝሰፈራላ እምንቲ ድሕረ-ግንባርን መደበር ታዕሊምን ነይራ እያ። ህዝባዊ ግንባር እውን ከም መደበር ታዕሊ ትጥቀመላ ዝነበረትን፡ ብ14 ሓምለ 1994 ከኣ መደበር ታዕሊም ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትከውን ዝጀመረት እያ። ካብ 2003 ጀሚራ ድማ ተመሃሮ ካብ ኩለን 2ይ ብርኪ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ፡ መበል 12 ክፍሊ ትምህርቶም ዛዚሞም ክፍተኑን ክዕለሙን ዝግደዱላ ኮይና’ላ።
ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ሰልጠንቲ መበል 38 ዙርያ ሳዋ፡ እቲ ኣብ ኣካዳሚያዊ መድረኻት መሪቑ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ምምራቕ ተዓለምቲ ሳዋ ግና ዘይበኩር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ ተመሪቖም። ሳዋ ብኣዋጅ ኣብ ዝተመስረተትሉ፡ መንእሰያት ኣብቲ መስርሕ 6 ኣዋርሕ ንታዕሊም 12 ኣዋርሕ ድማ ንኣገልግሎት ብድምር 18 ኣዋርሕ ጸኒሖም ናብ ንቡር ህይወቶም ይምለሱ ዝብል እዩ ነይሩ። ብግብሪ ግና ጉጅለ ህግደፍ ብዝፈጠሮ ምስምሳትን ናይ “ኣብ ውግእ ኢና ዘለና” ራዕድን፡ እቲ ኣገልግሎት ካብ 1ይ ዙርያ ጀሚሩ“መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ናብ ዘይፍለጥ” ተሰጋጊሩ። እዚ ዘይንጹርን ዘይእሙንን ተግባራት ህግደፍ ከኣ እዩ ነቲ ኣብታ መደበር ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛታት ዝያዳ ዘጉልሐ ጥሕሰት ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ።
ኣብ ሳዋ እቲ ተገዲድካ ናብ ታዕሊም ምእታው መባእታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ፡ እቶም መንእሰያት ኣብቲ ዝጸንሕዎ ብሕጽረት መግቢ፡ ሕክምናን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ዝተወሰኾ ሕሱም ህይወት እዩ። እቶም ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ኣብቲ መደበር መበል 12 ክፍሊ ክመሃሩ ዝግደዱ፡ ብሰንኪቲ ግዜ ዘይህብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዘሕድሮ ተጽዕኖን ዋሕዲ መምሃራንን ትምህርታዊ መሳርሕን ደረጃኡ ዝሓለወ ፍልጠት ከምዘይቀስሙ፡ ሓሓሊፉ ዝወጽእ ናይቲ መደበር ታዕሊም ምስጢራዊ ጸብጻባት ከይተረፈ ዝምስክሮ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ በቶም ኣብቲ ቦታ ዝምደቡ ጭካናት ዓለምትን ኣመሓደርትን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ክሳብ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሕ ኣካላውን ሕልናውን ማህሰይቲ ከም ዝፍጸም ኣብዚ እዋንዚ በተን ግዳያት ዝኾና ክቃላዕ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ርእሲዚ ዋላ ንኡስ ጌጋታት ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝፍጸም ማእሰርትን ስቓይን ኣስካሕካሒ ምዃኑ ብዙሓት ዘጋጠሞም ዝመስከርዎ ሓቂ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ብዘይክፍሊት ናይ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ጀራዲን ከልምዑን ኣባይቶም ክሃንጹን ዝማስኑ መንእሰያት ብዙሓት እዮም። ኣብዚ ምጥቃም ዘመናዊ መሳርሒ ንቡር ዝኾነሉ እዋን፡ ተዓለምቲ ሳዋ ብጉልበቶም ዝተፈላልየዩ ትሕተ-ቅርጻ ክሃንጹ ዘፍስስዎ ረሃጽ ከኣ ናይቲ ዘገድዶም ጉጅለ ድሕረትን ጭካነን የርኢ።
እዞም በዚ መስርሕ ሓሊፎም ኣብ ዘይምልከቶም ውግኣት ኣትዮም ዝሞቱ፡ ካልእ ይትረፍ፡ መርድኦም ብክብሪ ዘይንገር ምዃኑ ከኣ ካልእ ቃንዛዊ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ውግእ ትግራይ ናይ ዝሞቱ መርድእ ዘይምንጋሩ እኹል ኣብነት’ዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ካብ 2019 ጀሚሩ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክዝርዝር እንከሎ፡ “ንግዱድ ውትህድርና” ቅድሚ’ቲ ካልእ ጥሕሶታት ዝሰርዖ ካብዚ ብምንቃል እዩ። እቲ ካልእ ገጽ ግህሰት፡ ብኣዋጅ 82/1995 ዓንቀጽ 17 ሳዋ ዘይበጽሐን ዘየገልገለን ኤርትራዊ ካብ ሃገር ክወጽእ መሰል ዘየብሉ ምዃኑ ኢዩ።
ህግደፍ ንቀጻልነቱ ኣብ ስልጣን ቀዳምነት ስለ ዝህብ፡ ንሳዋ ብቐጻሊተተይ ካብ ምባል ኣየብኮረን። ሳዋ ስረሓ ንክትቅጽል እቲ ዘድልያ መሰረታዊ ጥረ ነገር መንእሰይ ኤርትራ ስለ ዝኾነ እናኣገደደ ኣብ ምቕራብ ኣይተጸገመን። ብኣንጻሩ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምላስ ግዲ ስለ ዘየብሉ፡ ኣይኮነንዶ ሓደስቲ ኣፍረይቲ ትካላት ክኸፍት፡ ካብተን ዝወደቓ ናይ ምሕዋይ ስጉምቲ ክወስድ ኣይደለየን። ብኣንጻሩ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል፡ “እተን ዝነበራ፡ ፋብሪካታት ፍንጃል፡ ማዕጺድ፡ ጠርሙስ፡ ኪሻ፡ ክርቢት፡ መልጎም፡ ዓለባ፡ ቆርበት፡ ሳእኒ ……ወዘተ ሎሚ ኣሰረን ኣበይ ኣሎ?” እናበለ ተጠሊዑ ክሓትት እዩ ዝስማዕ።
ሳዋ ክሳብ ሎሚ 38 ዙራት ተዓለምቲ ኣመሪቓ መበል 39 ትቕበል ኣላ። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓደ ዙርያ 20, 000 መንእያት ዝሳተፉ እንተነይሮም፡ እቶም በዚ መስርሕ ዝሓለፉ 760,000 ደኣ ኣበይ ኣለዉ?፡ እዞም መንእሰያት፡ ሕጋውነትን ሓልዮትን ብዝተኸተለ መስርሕ ዝተሰለፉን ዝተመሓደሩን እንተዝነብሩ፡ እሞ ብናጻነት ኣብ ዜብታዊ ንጥፈታት ሃገሮም እንተዝሳተፉ፡ ሎሚ ኤርትራን መነባብሮ ህዝብን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ውሑስ ደረጃ መሃለዉ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።
እንተኾነ እዞም መንእሰያት ኣብዚ እዋንዚ እቶም ዝሞቱ ሓሊፎም፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ፈቐዶ ስደት በቲ ሓደ ወገን ህይወቶም ክመርሑ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ኣደዳ ስደት ዝገበሮም ባርነት፡ ብሓርነት ንምትካእ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኣለዉ።

