ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2026 ብ7-9 ነሃሰ 2026 ኣብ ሃገረ ጀርመን ተጸንቢሉ። ኣብዚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ግዜ ወሲዳ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ፈስቲቫል፡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ፖሓኤ፡ ወከልቲ ውድባትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ተሳቲፎም። ኣብዚ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረበኛን ብብጾት ኣድያም ተፈራን ግርማይ ዘምኤልን ዝተኣልየ ጽንብል ድሕሪ ናይ ሓደ ደቂቕ ዝኽሪ ናይ ስዉኣት፡ ስነ ጥበባዊ ስምሶን ኪዳነ ብዘቕረቦ ንሰላምን ስኒትን ዝጽውዕ፥ ኣብ ቃልሲ ንዝተኸፍለ ሓርበኛዊ መስዋእቲ ዘዘኻኽር መዛሙር ብምቕራብዩ ተጀሚሩ። ስዒቡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምሕዝነታዊ ቃል ኣስሚዖም።


ኣብ መኽፈቲ እቲ ጽንብል፡ ዶር ኣክሊሉ ግርማይ ብስም ነቲ ጽንብል ዘዳለወ መኽሰብ ኣልቦ ትካል ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል እዚ ፈስቲቫል ካብ ግዜ ሰውራዊ ባይቶ ጀሚሩ ብዘይምቁራጽ ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ዝተኻየደ ብምዃኑ ታሪኻዊ እዩ ኢሉ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዝካየድ ዘሎ ብምዃኑ፡ ነቶም ተሳትፍቲ ፍሉይ ሓለፍነት ዘሰክም እዩ ኢሉ።

ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2026 ሓው ጸሃየ ቀለታ ብወገኑ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዝተሓባበሩ ወገናት ኣመስጊኑ፡ ኣብቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ሃገርናን ህዝብና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሕማቕ መነባብሮ ይሓልፉ ከም ዘለዉ ዘኪሩ። “ንሕናኸ ነቲ ኩነታት ኣብ ምቕያር እንታይ ንገብር ኣለና?” ኢልና ክንሓትት ይግበኣና’ውን ኢሉ።

“እቲ ውራይኩም ውራይና እዩ፡ ትኸድዎ ዘለኹም መንገዲ ከኣ ናይ ሓድነትን ምሕዝነትን ስለ ዝኾነ ንድግፎ ኢና” ዝመንፈሱ ሓጺር መልእኽቲ ሃገራዊ ሰልፊ ኤርትራ ከኣ ብሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣብቲ መድረኽ ብንባብ ቀሪቡ። መልእኽቲ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራውያን ከኣ ብሓው ጐይትኦም መብራህቱ ቀሪቡ። ኣብዚ መልእኽቲ እቶም ኣብቲ ማሕበር ተዓቚቦም ዘለዉ፡ ብዝኾነ ኤርትራዊ ክሕገዙ ዝግበኦም ምዃኖም ተንጸባሪቑ። ኣስዒቡ ኩሉ ገቢረ ሰናይ ዝኾነ ዜጋ ድማ ኣባልነቱ ኣብ ማሕበር ከረጋግጽን ኣብቲ ዝግበር ምስዮታት ክንሳተፍን ጸዊዑ።


ካብዚ ዓመታዊ ጽንብል ፈስቲቫል ተፈልዮም ዘይፈልጡ፡ ውፉያት ሰብ ሓዳር ጸሃየ ኣርእኣያን ወይኒ ኣርኣያን ኣብዚ ዓመትዚ ብምብኳሮም ኣብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅር ከም ዝበሎም ጠቒሶም፡ ንኣዳለውቲ ኣመስጊኖም፡ ንብሩህ መጻኢ ዘለዎ ተስፋ በቲ ብሓው ክብረኣብ ምስግና ዝተነበ መልእኽቶም ገሊጾም።
መልእኽቲ ደገፍን ምሕዝነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲ ለውጢ ከኣ ብሓው ባህታ ሃይለማርያም ቀሪቡ። ኤሃባዲለ ኣብቲ መልእኽቱ ንዝተገብረሉ ዕድመ ኣመስጊኑ፡ እቲ ዕድመ ነቲ ኣብ መንጎ ፖሓኤን ኤሃባዲለን ዘሎ ዝምድና ከም ዘደልድሎ ጠቒሱ። እቲ ብሓባር ዘበገስናዮ ምምስራት ናይ ሓባር ጽላል ምድንጓዩ ጠቒሱ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝቕጽል ኣመልኪቱ ፖሓኤ ዝመያየጥ ኣካል መስሪቱ ይጽበ ምህላዉ ዘተባብዕ እዩ ኢልዎ።
እቲ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣትሓሒዙ፡ “ዝካየድ ዘሎ ናይ ምውህሃድን፡ ሓቢርካ ምስራሕን ተበግሶታት፡ ፍረ ውጻኢት ዘይሕለል ቃልሲ ኩሎም ሃገራውያን ኢዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ኹሉ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምቅርራብ ጻዕሪ ንምዕዋቱ ቁሩባት’ኳ እንተኮንና፡ ዝኾነ ዝውሰድ ተበግሶ ነቲ ዝነበረ ብምፍራስ ዘይኮነስ፡ ነቲ ድሮ ቆይሙ ዘሎ ትካላትን ጥርናፈታትን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዝዓለመ ክኸውን ይግባእ።” ዝብል ዘተባብዕ ሓላፍነታዊ መልእኽቲ’ ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ “ምስ ፖሓኤ ዘለና ናይ ቃልሲ ዝምድና ንምብራኽ ጻዕርና ቀጻሊ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ብስም መሪሕነት ኤሃባደለ ዕዉት ፈስቲቫል ክገብረልኩም ልባዊ ምንዮትና ክገልጽ ደስ እብለና።” ኢሉ።
ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ፈስቲቫል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣቐዲሙ ነቲ ፈስቲቫል ንዘዳለዉ ኣካላትን ዕድመ ኣኽቢሮም ንዝተሳተፍን ልዑል ምስግና ኣቕሪቡ። ቀጺሉ ከኣ ካብ ሩሲያ ክሳብ ዩክረይን፡ ካብ ኣሜሪካን እስራኤል ክሳብ ኢራን ከምኡ ድማ ጉዳይ ፍልጥኤምን ወጥሪ ባብኤልመደብ ከይጋደድ ዘሎ ስግኣትን ብዝብልከት ጠቒሱ።
ዞባና ድማ ካብ ሱዳን ክሳብ ኢትዮጵያ ብውግእ ሕድሕድ ተሓሚዱ፡ ጎድኒ ንጎድኑ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ትግራይን ኣምሓራን ብጽምዶ ዝፍለጥ ዝምድናታት፡ ብገለ ሸነኻት ከም ንሓባራዊ ምዕባለን ሰላምን ክግለጽ እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኽ ብፍላይ ብስርዓት ኢትዮጵያ ከም ንጸጥታን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዝፈታተን ተርኽቦ ተገሩ ይረአ ከም ዝሎ ኣመልኪቱ። ኣብ ከባቢና ኣብ ልዕሊ ሃገርና ናይ ውግእ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ኩነታት ከምዘሎ ድማ ጠቒሱ።
ኣብ መንጎ አብ ዶባት ዝነብሩ ህዝብታት፡ ብተብግሶኦም ንሓባራዊ ጠቕምታት ዘገልግል ዝግበር ዝምድናታት ቅቡል ኮይኑ፡ ብሽፋን ህዝባዊ ዝምድና ናብ ውግእን ህልቂትን ዘእቱ ጽምዶ ግን ተቐባልነት ክህልዎ ኣይክእልን፡ ክብል ከኣ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ትግራይን ዝተገብረ ርክብ ዝምልከት ኣስፊሩ።

ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝገደድ እምበር ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ ብምሕባር፡ ብዛዕባቲ ምስ ገንዘብ ናብ ባንክ ናይ ምእታው ግደታ ብዝተተሓሕዘ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ሻቕሎት ኣብቲ ቃሉ ጠቒሱ። ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ህግደፍ ሓድሽ ፍሉይ ራፖርተር ከይምዘዝ ዘካየዶ ዘይተዓወተ ጻዕሪ ኣዘኻኪሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ኩሉ ዓይነት ግህሰት መሰላት ቀጻሊ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2026 ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ኮንፈረንስ ፖሓኤ፡ ዘይተወገኑ ጉዳያት ንምውጋን ከም ዝተናወሓ ዝሓበረ ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ትወልደ፡ ፈዳራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ወፈሪ ዘይቅቡል ምዃኑ ፖሓኤ ኣቐዲሙ ዘነጸሮ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ ምድጋሙ ከምዘየድሊ ጠቒሱ።
ኣብ መደምደምታ መልእኽቱ ን35 ዓመታት ዝኣክል ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝኸፍኤ ኣገባብ እንዳ ኣሳቐዮ እንከሎ ስለምንታይ እዩ እዚ ንናጽነቱ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ነዚ ዘይንቡር ኩነታት ከም ንቡር ጌሩ ዝነብር ዘሎ?፡ ስለምንታይ እዩኸ ግፍዕታት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እንዳተፈጸም ከም ዘይርኣየ ዓገብ ከይበለ ዝነብር ዘሎ?፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ፡ ድሕሪ ዑቕባ ምርካቡ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ክመልእን ንመላኺ ስርዓት ገንዘብ ክኸፍልን ዝረአ ዘሎ? ዝብሉ በዳህቲ ሕቶታት ብምቕራብ መደርኡ ዛዚሙ።
ተሳተፍቲ እቲ ፈስቲቫል ድሕሪቲ መደረታት ኣብ ክንዲ ሓደ ሓታቲ ካልእን መላሲ መልክዕ ዝሓዘ ኣገባብ ምውሳድ፡ ዝሰፍሔ ሓሳባት ንምእካብ ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ተኸፊሎም፡ “ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ንምእላይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከመይ ግዲኡ ኣብ ቃልሲ የበርክትን ተቓውሞና ንምዕዋት እንታይን ከመይን እንተገበርና ይሓይሽ?” ንዝብል ሕቶታት ዝምልስ ሓሳባት ንምቕራብ ተመያይጦም ሃነጽቲ ርኢቶታት’ውን ኣቕሪቦም። ኣብዚ መድረኽ ናይ ግዱሳት ግጥምታት ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ መስርሕ ምድላው እቲ ፈስቲቫል ፍሉይ ኣስትዋጽኦ ንዘበርከቱ ድማ ተመስጊኖም።

