ፖለቲካዊ ጉጅለታት ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣካይዶም

ፖለቲካዊ ጉጅለታት ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣካይዶም

ፖለቲካዊ ጉጅለታት ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣካይዶም

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ፖለቲካው ምሕዝነት ሱዳን ኣንጻር ውግእ፡ ብ21 ነሃሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ከም ዘካየደ ሱዳን መርበብ ሓበሬታ ታይምስ ሓቢራ። ናይቲ ኣኼባ ዓላማ መጻኢ ፖለቲካዊ እማመታት ንምምዛንን ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብዚ ቀረባ ንዝገበሮ ናይ ዘቤታዊ ዘተ መጸዋዕታ መልሲ ንምድላውን ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ሱዳናውያን፡ ፈረምቲ ዲክለራሺን መትከላት፡ ሰልፊ እስላምዊ ህዝባዊ ሱዳን፡ ክፋላት ናይቲ ብሙባራክ ኣል ፋዲል ዝምራሕ ሰልፊ ዑማን ካለኦት ሲቪላዊ ማሕበራትን ናብ ሓደ መኣዲ ዘተ ዘምጸአ ምዃኑ’ውን ተነጊሩ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብ14 ነሃሰ 2026 ኣብ ዘውጸኦ መጸዋዕታ ንዝኾነ ንሰላማዊ ዘተ ቅሩብ ዝኾነ ሱዳናዊ ፖለቲካዊ ኣካል ኣብ ሱዳን ደሕንነታውን ፖለቲካውን ውሕስነት ከም ዝህብ ኣፍሊጡ እዩ። እዞም ንገዛእ ርእሶም ናይ ዝኾነ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣካል ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ከምዘይኮኑ ዝገልጹ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዝካየድ ዘተ ናብ ሰላም ከብጽሕ ይኽእልዶ ኣይክእልን ኣቐዲሞም ክመዝኑ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ፡ ግደ ናይ ወጻእተኛታት ሽምግልናን ብዛዕባ ኣገዳስነት ቻርተር ኣብ  ሱዳን ዝተኻየደ ሚልዮናት ዘመዛበለ ውግእ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ዝምልከት ሚዛን ኣካይዶም።

 ኣብዚ ኣኼባ “ስሙድ” ዝተባህለ ብናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶ ዝምራሕን  ብዓብደል ዋህድ ዝምራሕ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ኣብ ሱዳን ዘተ ክግባር ኣይከኣልን ዝብል ስምዒት ከም ዘንጸባረቑን ተፈሊጡ።

ብፍላይ እቲ ብዶር ሓምዶክ ዝምራሕ ምሕዝነት ቅድሚ እቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝጽወዖ ዘሎ ኣብ ሱዳን ፖለቲካዊ ዘተ ምክያድድ፡ ዓለምለኻዊ ሽምገልቲ ከም ዝሳተፍዎ ክረጋገጽን ብህጹጽ ሃገርለኸ ምቑራጽ ተኹሲ ክካየድን  ከም ቅድመ-ኩነት ክሰፍር ከም ዝደሊ ተሓቢሩ።