ምምኽኻር ኢትዮጵያውያን ተዛዚሙ

ምምኽኻር ኢትዮጵያውያን ተዛዚሙ

ምምኽኻር ኢትዮጵያውያን ተዛዚሙ

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ንኣርበዓን ሓሙሽተን መዓልታት ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዘተየ ኣስታት 4 ሺሕ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዝተሳተፍዎ “ኢትዮጵያ ትመክር ኣላ (ኢትዮጵያ እየመከረች ነው)”፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮንቨክሽንማእከል ዝተኻየደ ሰፊሕ ርካብ፡ ብ22 ነሃሰ 2026 ተዛዚሙ። እቲ ኣኼባ 8 ዓብይቲ ኣጀንዳታት ዝነበርዎ ኮይኑ፡ እቲ ዝነውሐ ግዜ ዝወሰደ ብዛዕባ መጻኢ ዋንነትን ምምሕዳርን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምንባሩ ተሓቢሩ።

እዚ ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝግበር ምምሕያሽ ሕገመንግስቲ “ምክረ-ሓሳብ” ኮይኑ ከም ዝቐርብ፡ ኮሚሽነራት ናይቲ ንዝያዳ 4 ዓመታት ነዚ ምምኽኻር ከዳልው ዝጸንሐ ኮሚሽን ሓቢሮም። እቲ መስርሕ ኣዝዩ ጨቓጫቒ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብቶም ኣብ ስምምዕ ተበጺሕሎም ዝተባህሉ፡ “ኣዲስ ኣበባ ዋና ከተማን ምቕማጥ መንግስትን ኦሮሞ፡ ምቕማጥ ፈደራላዊ መንግስትን ዋና ከተመ ኢትዮጵያን ኮይና፡ ነባሪኣ ድማ ብዝመረጾ ኽመሓደር” ዝብል ዝርከቦ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ባንዴራ ብዛዕባ ዝግበር ምልክት ለውጢ ክግበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ዝምረጸሉ ሓድሽ ኣገባብ ክተኣታቶ፡ ኣገባብ ኣመራርጻ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ክቕየር፡ መሰል ርእሰ ውሳነ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ዝብል ዓንቀጽ ክተርፍ ዝብሉ ከም ዝርከብዎ’ውን ተጠቒሱ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ ምርድዳእ ዘይተበጽሓሎም ከም ኣፈላላይ ተመዝጊቦም ዝሓለፉ  ዛዕባታት ምላዎም እውን ተፈሊጡ። መስርሕ እቲ ምምኽኻር፡ በብደረጃኡ ማለት ናይ 25፡ 50፡ 250፡ 500 ደሓር ድማ ናይ 4000 እናበለ ክካየድ ከም ዝጸንሐ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ርክብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ብዝመረጸኦም ክውከላ እንከለዋ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምሕዳር ግና ነቲ ምምኽኻር ኣፍልጦ ኣይሃቦን። ካብ ኣፍልጦ እቲ ብደብረጼን ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ወጻኢ ኣስታት 300 ተጋሩ ኣብቲ ምምኽኻር ከም ዝተሳተፉ ግና ክጥቀስ ዝጸንሐ እዩ።

ኣብቲ መዛዘሚ ስነ ስርዓት፡ ብዘይካቶም ክዛተዩ ዝወርሑ ተወከልቲ፡  ፕረሲደንት ታየ ኣጽቀስላሴ ወሲኽካ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ናይ ቅድም ፕረሲዳንት ኬንያ እሁሩ ከንያታ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኩለመዳያዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ዝምድናኣ ምስ ኤንያን ዝድህሰሰ ሰፊሕ መደረ  ኣቕሪቡ። ኣብቲ መደረኡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭታት ጠቒሱ እቲ እንኮ መዋጸኦ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ምዝታይ ጥራይ እዩ ኢሉ።

እሁሩ ከኒያታ ኣብ ፕሪቶርያ ብ2022 ኣብ መንጎ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተበጽሐ ሎሚ ግና ኣብ ገምገም ምፍራስ ዝርከብ ዘሎ ስምምዕ ካብ ዝሸምገሉ ሓደ ምንባሩ ይዝከር።