ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ወተሃደራዊ ስምምዕ ከቲመን
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብ መዳያት እስትራተጅያውን ጸጥታውን ከምኡ እውን ኣብ ኢንዳስትሪ ምክልኻል ርክብ ምግባር ኣብ ዘኽእል ሓፈሻዊ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ከም ዝኸተማ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። ነቲ ስምምዕ ብወገን ኢትዮጵያ ዝኸተመ ብሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይን ምትሕብባርን ዝምራኽ ልኡኽ 19ን20ን ነሃሰ 2026 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ልኡኽ ኣብቲ ምብጽሑ ምስ ኣሜሪካዊ መዘናኡ ብራይን ጀይ ኢሊስ ምክትል ኣዛዚ ኣሜኢርካ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ከም ዝዘተየ እውን ተሓቢሩ። ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ዝጸንሖም ወተሃደራዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ከብጽሕዎ ከም ዝተሰማምዑ ተጠቒሱ።
እቲ ስምምዖም ትኹረት ካብ ዝገበረሎም ነጥብታት፡ ብቀጻሊ ክልተኣዊ ናይ ሓባር ሃገራዊ ረብሓታት ምርግጋጽ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ምትሕግጋዝ ዘውሕስ ምትእምማን ምሕያል፡ ዘተኣማምን ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ብሓባር ምስራሕን ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምውሓስ ምስራሕን ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ስምምዕ ከም ዝተጠቕሱ ድማ ተገሊጹ።
ነቶም ልኡኻት ዝመርሑ ኢትዮጵያዊ ሜጀር ጀነራል ቶሾመ ገመቹን ኣሜሪካዊ ኢሊስን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ነቲ ዝበጽሕዎ ናይ ሓባር ስምምዕ ብቕልጡፍ ናብ እስትራተጂያዊ ደረጃ ኣደይቦም ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ድልዉነቶም ኣረጋጊጾም። ልኡኽ ኢትዮጵያ ንእገረ መንገዱ ዝተፈላለዩ ትካላት ወጻኢ ጉዳይን ወተሃደራዊ ክፍልታትን ኣሜሪካ በጺሕ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ከም ዝተራኸቡ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ ምብጸሓ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ኣሰላልፋ ክጸልዎ ይኽልዩ ብዝብል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

