ሓቀኛን ተበላጽን ምስክርነታት ፊትንፊት
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
መንግስቲ ብልጽግና ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ኣልዒልዎ ዘሎ ልኡላውነት ኤርትራ ዝጻባእ ድፍረት፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣደንጽይዎ’ሎ እዩ። ሕቶ ብልጽግና ብሓፈሻ ብቐጥታ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝኽሕድ ኮይኑ፡ ክትርደኦ የጸግም። በዚ ተገላባጥነቱ ድሌቱ እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ ዝጽገሙ ዘለዉ ከኣ ብዙሓት እዮም።
ብልጽግና ናብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ክጽውዕን ክምሕጸንን እንከሎ፡ ኣገልግሎት ወደብ ዓሰብ ክረክብ እምበር ልኡላውነት ናይ ምግሃስ ሓሳብ ከምዘይብሉ መሲሉ ክቐርብ እዩ ዝፍትን። ከምዚ ዝገብረሉረሉ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ብሓቁ ዘይኮነ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ቦታ ከይስእን ዝምህዞ ምስምስ እዩ። ኣብ ዘቤታዊ መድረኻቱ ግና ኤርትራ ወደባ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንኤርትራ ብምሉኣ ዓምጢርና ክንመልሳ ኢና” ኢሉ ይጀሃርን ይፍክርን።
ናይቲ ዘቤታዊ ዳንኬራ ተልእኮ ነቲ ኣብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኩርነዓት ይረአ ብዘሎ ውግኣት ሕቶታት ኣብ ምልዓል ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ዘቕልብ ናብ ደገ ንከመዓዱ ዝምህዞ እዩ። ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ብዙሕ መድረኻት “ኤርትራ ናጻ ንምውጻእ 30 ዓመታት ወሲዱ፡ ንዓና ናብ ኢትዮጵያ ንምምላሳ ግና 30 ዓመታት ኣይክወስደልናን እዩ” ዝብሎ ቀልቢ ናይቲ ህዝቢ ንምስላብ እዩ። እዚ ኣብ ኣብይ ኣሕመድ ዝጅምር ዘሎ ዘይኮነ፡ ዝሓለፉ ኢትዮጵያውያን ገዛእቲ እውን ከም መናውሒ ዕድመኦም ኣብ ስልጣን ክጥቀምሉ ፈቲኖም ዘይተዓወትሉ ሸፈጥ እዩ።
ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ኣንቂድዎ ዘሎ ወራሪ ወፈራ ብዓብይኡ ንኤርትራውያን ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት’ውን ዘሻቕል ዘሎ ኣጀንዳ እዩ። ብዛዕባዚ ርኢቶ ካብ ዝህቡ መንግስታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ንብልጽግና ደጊፉ፡ ብቐጥታ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝተሰለፈ የለን። ሓደሓደ ውልቀ-ጸሓፍትን መደርትን ግና ብቐጥታ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብተዘዋዋሪ ንብልጽግና ዘስክሩ ኣይተሳእኑን። ኣብ ሓደ እዋን ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዲፕሎማት ታቦር ናጂ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ጋዜጣ ፕላስ፡ ዘይዛመድ ከዛምድ ብምፍታን፡ “ግብጽን ኤርትራን ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከተን እተን ምስቲ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ጥራይ እየን ካብ በላ፡ ጉዳይ ፈለግ ኣባይከ በተን ማየን ናብቲ ሩባ ዝፈስስ ሃገራት ጥራይ እዩ ዝውሰን ማለተን ደኾን ይኸውን?”። ዝበሎ ኮነ ኢልካ ንምግጋይ ዝተሰንዘረ ኣብነት እዩ።
ታቦር ናጂ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ዝዕቀበሉ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ወደባዊ ኣገልግሎት ዝረኽባሉን ሃገር ኣቋሪጾም ዝፈሱ ሩባታት ዝመሓደርሉን ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ቻርተራትን ነነብሶም ክኢሎም እንታይ ከም ዝብሉ ስለ ዘይርዳእ ዘይኮነ፡ ተዓሚቱ ብልጽግና የቕርቦ ንዘሎ ብዝኾነ ኣህጉራዊ ሕጊ ንዘይድገፍ ግህሰት ምኽንያታዊ ከምስሎ ስለ ዝደለየ እዩ። ምናልባት ገለ ኢትዮጵያውያን ንከምዚ ዝኣመሰለ መሰረት ዘየብሉ ሸፋጢ ደገፍ ርእዮም ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ዘለዉ ይመስሎም ይኸውን። እንተኾነ ተመሊሱ ዋጋ ዘኽፍሎም እምበር፡ “ኣብዚ እቶ” ዝበሃል ሓሳብ ኣይኮነን።
እቲ ብኣንጻሩ ተስፋ ዝህብ ድማ ከም በዓል ቲቦር ናጂ ዝኣመሰሉ ዘይሓላፍነታውያን ንዝፈጥርዎ ምድንጋር፡ ጉዳይ ህዝቦም ብዘገድሶም ሓደሓደ ፍትሓውያን ኢትዮጵያውያን ዝቃላዕ ዘሎ ምዃኑ እዩ። “ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ብልጽግና እምበር ህዝቢ ኦሮሞ ኣይኮነን” ኢሉ ዝጀመረ፡ ኣማኻሪ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ወጻኢ ዝኾነ፡ ጃል ጂረኛ ጉደታ ብምስሊ ኣሰንዩ ንኣዲስ ስታንዳርድ ዝሃቦ ሓቀኛ ምስክርነት፡ ብኣውንታዊ ኣብነት ዝውሰድን ዝተባባዕን እዩ።
ጂረኛ ጉደታ ኣብቲ ምስክርነቱ፡ “ዓሰብ ናይ ኤርትራ ምዃና፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ዶብ ጅቡቲ ፈሪማ ዝተቐበለቶ እዩ። ነዚ ምጥሓስ ነቲ ናይ መግዛእቲ ሕጊ ዘይምቕባል እዩ። ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ሃገሩ ተኸቢሩ ክነብርን ሃብቱ ብማዕርነት ክጥቀምን እምበር፡ ዘይናቱ ገምገም ባሕሪ ክውንን እየ ኢሉ ኣብ ከንቱ ክመውት ኣይግባኦን። ኣብ ግዜ ደርግ ኢትዮጵያ ክሳድካ ክትቁረጽ እያ ኣናተባህለ፡ ኣብ ውግእ ኤርትራ ስለ ዝኣተዉ ብዙሕት ቤተሰብና ስኢና ኢና። ናትካ ናብ ዘይኮነ መሬት ኬድካ ምማትከ እንታይ ትርጉም ኣለዎ። እዚ ኮይኑ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ዓሰብ ሒዛኸ ከተመሓድራን ብሰላም ክትነብርን ትኽኢል ዲያ? ክበሃል እንከሎ ፈጺምካ ዘይከኣል እዩ።
ቀይሕ ባሕሪ ክትጥቀመን ብኣኡ ኣቢልካ ምስ ካልእ ዓለም ክትራኸብን እንተደሊኻ፡ ብውግእ ዘይኮነ ብሕጋውን ዲፕሎማሲያውን ኣገባብ እዩ ዝረጋገጽ። ኣብይ ኣሕመድ እዚ ሎሚ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ናይ ህዝቢ ኦሮርሞ ሕቶ ከምዘይኮነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሳዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን መፈኻኸሪ እዩ። እዘን ሃገራት ነተን ወደባት ኣልሚዐን ረብሓ ናይ ምኽዕባት ድሌት እዩ ዘለወን። ኣብይ ኣሕመድ ዘይሕጋዊ ሕቶ ወደብ ዓሰብ ዘልዕል ዘሎ፡ ካብ ኢማራት ዝረኽቦ ፍሉይ ረብሓ ስለ ዘለዎ እምበር ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓልዩ ኣይኮነን። ሓይሊ ባሕሪ ክሃንጽ እየ ዝብለሉ ዘሎ ምኽንያት’ውን መንቀሊኡ ንኢማራት ንምሕጓስ እዩ።” ብዝብል የብርህ።
ሓላፍነት ዝስመዖም ኢትዮጵያውያን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባና ሰላም ምስፋን ዘኽእል ምስክርነት ኣብ ዝህብሉ ዘለዉ፡ ንዓመታት ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ምዝራግ ከዕገርግር ዝጸንሓን ዘሎን ካናዳዊ ፕሮፈሴር ጆሴፍ ኢሎን ማግነት ዝተባህለ እዩ። እዚ ብኢትዮጵያውያን’ኳ ተቐባልነቱ ዝተጸንቀቐ “ብሄር ተኮር” ፈደራላዊ ምምሕዳር ከዕኩኽ ዘዕለብጥ መላኽዒ ምሁር፡ ኣብ 3ይ ጉባአ “ኤርትራዊ ዓፋር ብሄራዊ ጉባአ” ኣብ ዘቕረቦ ኣፍራሲ ሓሳብ፡ “ኤርትራ ኣብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ እንተተሳዒራ፡ ኢትዮጵያ ከምቲ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ጃፓን ዝተኸተለቶ፡ ንመላእ ኤርትራ ኣካል ግዝኣታ ገይራ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስታዊ ሞዴል ፈደራላዊ ምምሕዳር ዘርጊሓ፡ ሰራዊታ ኣብ ኤርትራ ከተስፍር እትኽእለሉ ስምምዕ ከተውሕስ ኣለዋ” ኢሉ። እዚ ሞዴል ዝበሎ ሕገመንግስቲ ንምቕያር ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 4000 ተሳተፍቲ ይማኸሩ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ ምዃኑ ከኣ የገርም።

