ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎምሲያዊ ወጥሪ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት ሱዳን ንክዕጾ ብ2 ሕዳር 2026 ስጉምቲ ወሲዳ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ናይቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታት ኣብ 48 ሰዓታት ክወጹ ተኣዚዞም።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምዕጻው ናይቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ዝተዋህበ ዝርዝር ምኽንያት ዘይተዋህበ ኮይኑ፡ እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ሱዳን ብወግዒ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክፍሊ ሰላምን ጸጥታን ክሲ ምስ ኣቕረበት እዩ።
ሱዳን ኣብቲ ንኢትዮጵያ ዝተቓወምትሉ ክሲ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢድ ብምእታው ምስቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ኮይና፡ ኣብ መሬታ ኣትያ መጥቃዕቲ ምፍጻማ ዘመልክት ኮይኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብድሮናት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሕብረተሰብን ትካላት ሓይሊ ኤለክትሪክን ዘተኮረ ምዃኑ ይዝርዝር። ሱዳን ነቲ ዘቕረበቶ ክሲ ብዝተፈላለዩ ምስልታትን መርተዕታትን ከም ዘሰነየቶ እውን ተሓቢሩ።
እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ከምቲ ናይ ሱዳንኳ ብወግዒ እንተዘይኣቃለሓቶ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ተፈጺሙ ዝተባህለ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ንሱዳን እያ ተሓታቲ እትገብራ።
እዚ ስጉምቲ ምዕጻው ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዝበጸሐ ዝርኢ’ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአን ከምዘየቋረጻን ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፉት ምህላዉን ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢላ እውን 10 ኤርትራውያንን 1 ግብጻውን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ድሕሪ ምስጓጓ፡ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቋረጸ ዝዝከር እዩ። ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ብሓፈሻ ዘስግ ኩነታት ዘንጸላሉ ዘሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራን ሱዳንን ኣትያቶ ዘላ ኩነታት ናብ ቅሉዕ ውግእ ከይምዕብል ንብዙሓት ዘተሓሳስብ ዘሎ እዩ።

