ሕትመትን ዝርጋሐን ጋዜጣ ሪፖርተር ብግዝያውነት ተኣጊዱ

ሕትመትን ዝርጋሐን ጋዜጣ ሪፖርተር ብግዝያውነት ተኣጊዱ

በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ፡ ካብ 1995 ጀሚራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣምሓርኛን እንግሊዘኛን ክትሕተም  ዝጸንሐት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሪፖርተርን ናይ ቀጥታ ዝርጋሐኣን ፈቓድ ብግዝያውነት ክቋረጽ ከም ዝወሰነ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ዝተባህለት ትካል ዜና ኣፍሊጣ። እዛ ጋዜጣ “ኮሙኒኬሽን ሰንተር” ብዝተባህለ ትካል፡ “ናጻ ፕረስ፡ ናጻ ሓሳብ፡ ናጻ መንፈስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ፡ እናተሓትመት፡ ሰኑይ ብኣምሓርኛ ቀዳም ድማ ብእንግሊዘኛ  ክትዝርጋሕ ዝጸንሐት ብዙሕ ኣንባቢ ዝነበራ እያ።

እታ ጋዜጣ በቲ በዓል መዚ ዝተኸሰሰትሉ፡ ብተደጋጋሚ ኣንጻር ናይ ኢትዮጵያ ረብሓ ዝኾነ ሓበሬታ ምዝርጋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ፖለቲካን ቁጠባን ዝለዓለ ጉድኣት ዘውርዱ ዛዕባታት ምጽብጻብ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ሓበሬታታት ኣብ ክንዲ ብምሉእ መንፈሱ ቆንጪልካ ምቕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ዕቤት ናይ ሃገር ቱሪዝምን ናይ ወጻኢ ወፍርን ኣሉታዊ ምስሊ ምንጽብራቕ፡ ናይ ሃገር ጸጥታን ድሕንነትን ዘነውር ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዝብሉ ይርከብዎም።


ኣብ መወዳእታ ከኣ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ምስ ወናኒን ዋና ኣሳናዳእን ናይታ ጋዜጣን ምርድዳእ ክግበርን መጠንቀቕታ ክወሃብን’ኳ እንተዘይጸንሐ ምምሕያሽ ስለ ዘይተራእየ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ከኣ እቲ በዓል መዚ ኣብቲ ብ2 ሕዳር 2026 ዝወሰዶ ናይ ግዝያዊ እገዳ ስጉምቲ  ኣመልኪቱ።

ነቲ ስጉምቲ ዝተኸታተለ ሓደ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዝኾነ ኢህኣፓ፡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ መንግስቲ ብሕታዊ መድያታት መንግስታዊ ልሳናት እንተዘይኮይነን ናይ ምድኻመን ድሌት ከም ዘለዎ ዝመልክት ተግባር እዩ ኢልዎ።