እንዳ ባንታት ካርቱም ይዕጸዋ ኣለዋ

እንዳ ባንታት ካርቱም ይዕጸዋ ኣለዋ

Untitled 1ገለ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ባኒ ንምርካብ ኣብ መስርዕ

ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ብደርዘናት ዝቑጸራ እንዳባንታት፡ ብሰንኪ ስእነት ሓርጭ ፊኖ፡ ሓይሊ ኤክትሪክን ነዳድን ይዕጸዋ ከም ዘለዋ  ንሓለፍቲ እታ ከተማ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ብሰንክዚ ምዕጻው ከኣ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ኣዝዩ ኣስጋኢ ዝኾነ ዋሕዲ ባኒ ኣጋጢሙ ከምዘሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። ሕጽረት ባኒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸገም ትራንስፖርት እውን መመሊሱ ኣጸጋሚ ይኸውን ከምዘሎ’ዩ ተጠቒሱ።

ምክትል ሓላፊ ማሕበር እንዳ ባንታት ከተማ ካርቱም ኢሳም ኦካሻ ንመርበብ ሱዳን ትሪቡን ከም ዝገለጾ፡ እቲ ናይ ባኒ ሕጽረት ካርቱም ብቕልጡፍ ዝዓርግ ዘሎ ቅልውላው እዩ። እቲ ምክትል ሓላፊ ሕጽረት ዲዝል እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ ጸገም ምዃኑ ጠቒሱ፡ እንዳ ባንታት ኣብ ነዳዲ ክምርኮሳ ምግዳደን ብምሕባር፡ ቀጻሊ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ እውን ካልእ ዕንቅፋት’ዩ ኢሉ።

ምዕዳል ስርናይ ናብተን ፊኖ ዘዳልዋ ትካላት ስሩዕ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ እተን  ዝጥሕና እውን ብሰንኪ እኹል ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘይምርካብ ነቲ ዝርካቡ ዝወሃበን ጥረ ስርናይ ኣዳልየን ከቕርባ ከምዘይክእላ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ብሰንክዚ ነተን እንዳባኒታት ዝወሃብ ፊኖ ክሳብ ሰሙን ንዝጸንሕ ግዜ ከምዝቋረጽ ድማ ተነጊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ካርቱም ዘሎ ናይ ፊኖ መዓልታዊ ቀረብ ኣስታት 45 ሺሕ ከረጢት ነናይ 50 ኪሎ ግራም እዩ ተባሂሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ሰፊርወን ንዘሎ ከተማታት ዝዕደል ፊኖ መዓልታዊ ኣስታት 200 ሺሕ ከረጢት ምዃኑ እቲ ምክትል ሓላፊ ማሕበር እንዳባንታት ገሊጹ፡ እዚ ናይ ሰራዊት ቀረብ ምምላእ ነቲ ናብ ህዝቢ ዝቐርብ ከምዘውሕዶ ኣመልኪቱ። እዚ ዘይስሩዕ ኣተዓዳድላ ፊኖን ባንን ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ሱዳን በብደረጁ ክጋደድ ዝጸንሐ ምዃኑ እምበር ሃንደበት ዘጋጠመ ከምዘይኮነ ድማ ተሓቢሩ።