ጸብጻብ ኣምኒስት 2022 ብዛዕባ ኤርትራ

2023-03-30 07:38:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 745 times

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ብ28 መጋቢት 2023 ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓመታዊ ጸብጻብ 2022፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ መሊሱ ዝገድድ ዘሎ እምበር ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ከምዘይተመሓየሸ ሓቢሩ።

ኣምኒስት ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመተ-2022 እውን ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት፡ መንግስቲ ነቲ ኣብ ምእሳር ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ፖለቲከኛታት፡ ሰዓብቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት፡ ገደብ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ቀረባትን ጥሕሰት ሰብኣዊ ሕግታትን ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት ከመሓይሽ ዝኾነ ይኹን ተበግሶ ዘይምውሳዱ ኣስፊሩ።

እቲ ጸብጻብ ኣተሓሒዙ፡ ህግደፍ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ውትህድርናን ምስኡ ተተሓሒዙ ክኽሰት ዝጸንሐ፡ ምዝመዛ  ጉልበት መንእሰያትን ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መደበራት ታዕሊምን ካልእ ኣጋጣምታትን ከምዘይተመሓየሸ  ተጠቒሱ። ኣምኒስት ካብዚ ዛዕባዚ ከይወጸ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ሰፊሕ ግፋን ኣብ ልዕሊቶም ደቆም ዝተሰወሩ ስድራቤታት ክፍጸም ዝጸንሐ ዝተፈላለየ በደላትን ጠቒስዎ።

ኣምኒስት ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦ ካልእ ነጥቢ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 47 ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ክንሳ፡ ንኽብሪ እቲ ባይቶኳ ዝኾነ ኣውንታዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኮነ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ብምኽባር ዘይምትሕብባራ እዩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ኤርትራ እቲ ብ2012 ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ብዝምልከት ሰብኣዊ ኩነታት ከጻርን መፍትሒ ሓሳብ ከቕርብን ዝተመዘዘ ፍሉይ ኮሚሽን ኣትዩ ንከጻሪ ንዝቀረበላ ሕቶ መልሲ ዘይምሃባ ከም ዘተሓሳስቦ ሓቢሩ። ብኣንጻሩ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ሰፊሕ ስግረ-ዶባዊ ግህሰት ከም ዝፈጸመ ጸብጺቡ።

ኣብ ርእሲዚ ኤርትራ ካብ ኣፍሪቃ በይና፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት፡ ንኮቪድ-19 ዝምልከት ህዝበን ከታበትን ካልእ ሓገዝን ከይረክብ ኣፍደጊኤን ዝዓጸዋ ሃገራት ምዃና እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣምኒስቲ ኣቃሊዑ።

Last modified on Thursday, 30 March 2023 09:53