Print this page

ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ

2023-03-19 23:27:30 Written by  Published in EPDP News Read 833 times
Rate this item
(0 votes)

ቀዳም 18 መጋቢት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ብዙሓት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ቀንዲ ዋኒኑ ኣብ ሓምለ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝካየድ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ከመይ ዕዉት ይኸውን ዝብል ኮይኑ ብዝርዝር ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ተመያይጡ፡

1) ጉባኤና ዕዉት ክኸውን ዘድልዮ ባጀት ከመይ ነዳሉ

2) ብናይ ሰነድ ሽማግለ ድሮ ተነዲፎም ናብ ምሉኣት ኣባላት ተዘርጊሖም ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ሰነዳት ማለት ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ዞባና ከመይ ይመያየጠሉን የሀብትሞን 

3) ኣብ ሓጻዪት ሽማግለ ዝለኣኸቶ መምርሒታት ክህልዉ ዝኽእሉ ሕቶታት ምርኣይ

4) ጨናፍር ወኪሎም ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ንምምራጽ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተላእከ መምርሒ ምርኣይ

5) ኣብ ወርሒ ሰነ ቅድሚ ጉባኤ ንድልውነትና ክመዝን ዝተዳለወ ናይ ምሉእ ኣባላት ሰልፊ ሰሚናር ከመይ ንዳለወሉ ዝብሉ ኔሮም። 

ኣባላት ሰልፊ ኣብ ነፍስወከፍ ኣጀንዳ ብዕምቆት ብሱል ዘተ ኣካይዶም። 

1) ዕዉት ጉባኤ ክነካይድ እኹል ባጀት ክህሉ ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነ ወሳኒ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ ኮይኑ ኣብ ርእሲ’ቲ ድሮ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ገንዘብ ወፈያ ብዘደንቕ ልግሲ ቀጺሉ። ብዘይካ’ዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዋጸአን ዝቕጽል ዘሎን ወፋያታት ካብ ኣባላት ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑን ነብሶም ዝኸኣሉ ደቅናን ተደናገጽቲ ሰልፍናን ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ሓበሬታ’ዚ ሞራል ኩሉ ኣባል ሓፍ ዘበለ ኔሩ።

2) ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰልፊ፡ ኣብ ጉባኤ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ክንመያየጠሎም እኹል ግዜ ስለዘይህሉ ነፍስወከፍ ጨንፈር ተመያይጦም ኣብ’ቲ ንድፊታት ዝህልዎም ርእይቶታት ናብ ናይ ሰነድ ሽማግለ ዝሰድሉ ቅጥዒን መምርሒን ተገሊጹ። እዚ መስርሕ’ዚ ድሮ ጀሚሩ ዝኸይድ ዘሎ እዩ።

3) መስርሕ ሕጸ በጺሑዎ ዘሎ መድረኽ ብኣባላት ሓጻዪት ሽማግለ ተገሊጹ። ኣብ ዝተላእኸ መምርሒ ዝነበረ ሕቶታት ተመሊሱ። እዚ መስርሕ’ዚ ቅድሚ ጉባኤ ክሰላሰል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ በሪሁ።

4) ጨናፍር ወኪሎም ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ንምምራጽ ብቅዋም መሰረት ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተላእከ መምርሒ ብዝርዝር ተራእዩ። ዝቐረቡ ሕቶታት ተመሊሶም። እዚ መስርሕ’ዚ እውን ድሮ ተጀሚሩ ዝትግበር ዘሎ እዩ።

5) ዕለታትን ሰዓታትን ናይ ቅድሚ ጉባኤ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰሚናራት ተሓቢሩ። ኩሎም ኣባላት ብዝተኻእለ መጠን ክሳተፍዎን ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣዳልዮም ክመጹን ለበዋ ተዋሂቡ። 

መላእ ኣባላት ዝዓግብሉን ሞራልን ንያትን ሓፍ ዘበለ ህድኣትን ምክብባርን ዝዓሰሎ ኮይኑ ተዛዚሙ።

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ። 

የቐንየልና።

ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!

ክንዕወት ኢና!

ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

19 መጋቢት 2023

Last modified on Monday, 20 March 2023 00:41