ሱዳን ዝተወንዘፈ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ክለዓለላ ትሓትት ኣላ

2023-02-07 09:58:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 640 times

ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን እናዘተየ

ሱዳን ዝተወንዘፈ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ክምለሰላ ከም እትደሊ፡ ናይታ ሃገር ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ብ5 ለካቲት 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።  ሱዳን ኣባልነታ ዝተወንዘፈ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ልዕሊቲ ብሲቪል ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምክያዱ እዩ።

ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ሱዳን ናይ ምውንዛፍ ስጉምቲ ዝወሰደ ድሕሪቲ ብመሪሕነት ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ድሕሪ ምውጋድ መንግስቲ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ንካለኣይ ግዜ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ እዩ። እቲ  ናይ ሱዳን ካብ ንጥፈታት ሕብረት ኣፍሪቃ ምውንዛፍ፡ ክሳብ ኣብታ ሃገር ሲቪላዊ መንግስቲ ዝምስረት ዝቕጽል ምንባሩ እቲ ሕብረት ክገልጾ ዝጸንሐ እዩ።

ዋላኳ ኣብ ሱዳን እቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ቀጻሊ እንተሎ፡ እቲ መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ፡ ኢብራሂም ጃብር ንዝተባህሉ ኣባል መሪሕነቱ ናብተን ኣባል ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾና ሃገራት ኣዋፊሩ፡ ኣባልነት ሱዳን ናብ ንቡር ንክምለስ ከረድኡ ክንቀሳቐሱ ከም ዝጸንሑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ካብ ናይ ሱዳን ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትሪ፡ ደፍዓላ ኣልሓጅ ብወገኖም፡ ኣብዚ ቅንያት፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኣባላት ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ብዛዕባ ሱዳን ካብ ምውንዛፍ ንጥፈታታ  እትወጸሉ ክዝትዩ ከም ዝቐነዩ ተፈሊጡ’ሎ።

Last modified on Tuesday, 07 February 2023 11:11