Print this page

ኤርትራ፡ ካብተን ቀዳሞት ብልሽውና ዝረኣየለን 20 ሃገራት ምዃና ተሓቢሩ

2023-02-06 19:26:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 607 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ሃገራት ናይ ብልሽውና ደረጃ ዝከታተል corruption perception ዝተባህለ ኣካል ብ ዝገበሮ ናይ 2022 መጽናዕቲ: ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ብዝለዓለ ደረጃ ብልሽውና ዝረኣየለን 20 ሃገራት ምዃና ሓቢሩ። ናይ ሃገራት ደረጃ ብልሽውና ንምውጻእ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሚእቲ ነጥቢ ዝወሃበን ኮይኑ፡ እተን ሚእቲ ዝወሃበን እተን ብልሽውና ዘይረኣየለን ሃገራት ኮይነን፡ ዜሮን ናብ ዜሮ ዝቐረበን ነጥቢ ዝረኽባ ድማ ምጥፍፋእ ብዝለዓለ ደረጃ ዝሳዕረረለን እየ።  

በዚ መሰረት ኣብ ናይ 2022 መጽናዕቲ ደንማርክ  90% ብምርካብ ቀዳመይቲ ብልሽውና ብዝተሓተ ደረጃ ዘይረኣየላ ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ፊንላንድን ነውዘላንድን ድማ ነፍሲ ወከፈን  87%፡  ብምርካብ 2ይ ደረጃ ሒዘን ተመዝጊበን። ኖርወይ፡ ሲንጋፖር፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ኔዘርላን፡ ጀርመን ኣየርናድን ድማ ካብተን ቀዳሞት 10 ዝወሓደ ብልሽውና ዝረኣየለን ኮይነን ተጠቒሰን።

ኤርትራ 22% ብምርካብ  ማዕረ ሱዳን ካብተን 20 ቀዳሞት ዝለዓለ ብልሽውና ዝረኣየን ሃገራት ኮይና፡ ካብተን 180 ሃገራት ኣብ መበል 162 ተሰሪዓ። ምስ ናይ 2021 ክወዳደር እንከሎ ኤርትራ ብሓደ ደረጃ ከም ዝንቆልቆለት ኣብቲ መጽናዕቲ ሰፊሩ። ሶማሊያ 12% ብምርካብ ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝኣተዋ 180 ሃገራት ዝለዓለ ብልሽውና ዝረኣየላ ሃገር ኮይና። ሶርያን ደቡብ ሱዳንን ድማ ነፍሲ ወከፈን 13% ብምርካብ 2ይትን 3ይትን ኣደዳ ብልሽውናዝኾና ሃገራት ኮይነን ኣብቲ ሰንጠረዥ ሰፊረን። ኣብ ርእሲዚ፡ ቬንዝዋላ፡ የመን ሊቢያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሃይትን ኢኳቶሪኣል ጊኒን ኣካል እተን ቀዳሞት ብብልሽውና ዝተጠቕዓ 10 ሃገራት እየን።

እቲ ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ኣካል ከም ዝሓበሮ፡ ማእከላይ መዕቀኒ ካብ ሚእቲ 43 ነጥቢ ምርካብ እዩ። በቲ መጽናዕቲ መሰረት ዝያዳ ክልተ ሲሶ ካብተን 180 ሃገራት ትሕቲ 50% ዝረኸባ እየን። ኤርትራ እትርከበን 26 ሃገራት ድማ ካብቲ ማእከላይ መዕቀኒ 43% ንታሕቲ ዝረኸባ ኮይነን ከም ዝተመዝገባ ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ድማ 38% ረኺባ፡ ኣብ መበል 94 ተሰሪዓ ትርከብ።

Last modified on Monday, 06 February 2023 20:50