ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳናውን ቻይናውን ብዕጡቓት ተቐቲሎም

2023-02-02 10:07:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1003 times

ሓደ ሱዳናዊ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶብ፡ ሓደ ቻይናዊ ድማ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 160 ኪሎሜተር  ርሒቓ  ናብ ባህርዳር ኣብ ዝወስድ ዋና መንገዲ እትርከብ ከተማ ደብረ ጉራቻ ብ31 ጥሪ 2023  ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበረቶ እቲ ከራር መሓመድ ሙሳ ዝተባህለ ሱዳናዊ ጓሳ በሳንዳ ኣብ ዝተባህለ ናብ ግዝኣት  ሱዳን 2 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኣቲኻ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ቦታ ከብቱ ክሰርቁ ዝመጹ ክከላኸል እንከሎ  ብዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራ ከም ዝተቐትለ ጠቒሳ

እቲ ዜና ብምትሕሓዝ  ነቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ጸገም ብስምምዕ ንምፍታሕ  ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምንኳ ፈተነታት ዝካየድ እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣልፋሽቃ ዝበሃል ከባቢ ግና ከብቲ ንምስራቕ ብፋኖ ዝግበር ፈተነታት ቃጻሊ ምህላዉ ኣስፊሩ። ድሕሪቲ ቅትለት ነቲ ኩነታት ንምዕጋት ሻምበል መሓመድ ኣልሓሰን ብዝተባህለ ኣዛዚ ዝምራሕ ናይ ሱዳን ፖሊስ ከም ዝተዋፈረን ብዛዕባቲ ቅትለት ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ናይ ገበን ፋይል ከም ዝተኸፍተን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሕቢሩ።

ድሕርቲ ዘጋጠመ ቅትለት ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ባህላዊ ምምሕዳር ዓሌት በኒዓምር፡ መሓመድ ሓሰን ሓጅ ኣጋ ናይቲ ከባቢ መንግስታዊ ምምሕዳር እኹል ቀወምቲ ሓይልታት ጸጥታ ንክምድብ ጸዊዑ፡ ናይተን ዝተዘመታ ከብቲ ካሕሳ ክወሃብ  ድማ ሓቲቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ እትርከብ ከተማ ደብረጉራቻ፡ ኣብ ልዕሊ 9 ቻይናውያን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተረፈጸመን ሓደ ካብኣቶም  ሞይቱ፡ እቶም ዝተረፉ ከም ዝቖሰሉን ተሓቢሩ። ድሕሪዚ ተረኽቦ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ዝለዓለ ጥንቃቐ ንክገብሩ ዝተሓሳስብ መግለጺ ከም ዘውጸአ ተፈሊጡ። ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ መንነትን ዕላማን’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ እቲ ከባቢ ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወስድሉ እዩ።

Last modified on Thursday, 02 February 2023 11:22