Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ፡ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ኮንፈረንስ መንእሰያት ዓፋር ተሳቲፉ

2023-01-29 17:13:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 749 times
Rate this item
(0 votes)

ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤን፡ ብ28 ጥሪ 2023 ብመንእሰያት ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ “ንማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን በደላትን ግዙፍ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ምልላይን መፍትሒታት ምርካብን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡  ኣብ ከተማ ቨስተሮስ፡ ሽወደን ኣብ ዝተዳለወ  ዓመታዊ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ። ብጻይ መንግስተኣብ ኣብዚ ንሰዲህኤ ወኪሉ ተሳቲፉ ቃል ዘስመዓሉ ኮንፈረንስ፡ ንዝተገብረሉ ዕድመ ኣመስጊኑ ንተሳተፍቲ ዓመተ 2023 ናይ ሰላም፡ ፍትሒን ዓወትን ክትከውን  ሰናይ  ትምኒቱ ገሊጹ።

ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ሃገርና ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምስ ወደባቱን ማርሳታቱን ከም እትውንን ተበሃጊት ምዃና ጠቒሱ፡ ብፍላይ ከባቢ ደንከልያ ፖታሽ፡ ጨው፡ ነዳዲ ጋዝን ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ከም ዘለዋ ሓቢሩ። ምስዚ ኩሉ ግና ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ምሕደራ ህግደፍ ህዝባ ናይ ሃብታ ተጠቃሚ ክኸውን ከምዘይከኣለ ጠቒሱ፡ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ዓማራትን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን እስያን ህዝበን ኣብ ዝለዕለ ደረጃ መነባብሮ ዝርከብ ካብ ናትና  ዝበለጸ ጸጋ ስለዘለወን ዘይኮና ብሳላ ዝሓሸ ምምሕዳር እዩ  ኢሉ።

ሃገርና እትርከበሉ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ተፈጥሮ ሃብትን ተበሃጊ ኣቀማምጣን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ኣሜሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ንረብሓአን ክብላ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከም ዝቖረነኣ ብምሕባር፡  ሎሚ እውን ምዕራባውያንን ምብራቓውያንን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይወዳደሩ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ መንጎ ንጹልን ጸላኢ ዝዕድምን ፖሊሲ ህግደፍን ረብሐኦም ዘቐድሙ ኣህጉራውያን ሓይልታትን ተቐርቂሩ ኣደዳ ኩሉ ማሕበራዊ ጸገማት ኮይኸውን ኣሎ ክብል ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ብጻይ መንግስተኣብ ኣብዚ መደርኡ ብልጽግትን ምዕብልትን ኤርትራ ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ዝስከም እቲ ክመሃርን ክሰርሕን ዝኽእል፡ ሞተር ሕብርተሰብ ዝኾነ መንእሰይ ምዃኑ ጠቒሱ፡ መንእሰያት ናብዚ ንክበቕዑ ብፍልጠት ክዕጠቕ ስለ ዝግበኦም  ኣብዚ ዘለውዎ ሃገር ንዘሎ ዕድላት ተጠቒሞም፡ ክመሃሩን ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ከማዕብሉን ከም ዝግበኦም ምዒዱ። ብመጽር ዕላማቲ ኮንፈረንሶም፡ ዝያዳ ከቕልብሎም ብዝብል ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘርዚሩ፡

1. ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጠንቂ ኩሉ ጸገማትና ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምእላይ፥

2. ልዑላውነት ናይ ሕጊ ዘረጋግጽ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምህናጽ፥

3. ብዘይ ሰላም ፍትሕን ብልጽግናን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ምእማን፥

4. ሓድነት ናይ ህዝብን መሬትን ምዕቃብ፥

5. ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን ዝብል ምስላ ከም መምርሒ ወሲድካ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መኣዲ ኣካዳሚያውን ሞያውን ትምህርትን ዘመናዊ ተክኖሎጅን ከምዝጽመዱ ምግባር፥

6. ግደ ስድራቤትን ግደ ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ ህንጻ ጥዑይ ሕብረተሰብ ምኽባር፥

7. ዘይምእኩል ስርዓተ-ምሕደራ ምኽታል. . .ወዘተ።

ኣብ መደምደምታ ቃሉ ከኣ፡ ኮንፈረንሶም ንክዕወት ብምምናይ፡  ኣብ መንጐ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና እናዓበየ ክኸይድ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ። ወደብቲ እቲ ኮንፈረንስ ብወገኖም ንተሳትፎ ብጻይ መንግስተኣብ ብምምጓስ ናይ ተሳትፎ ምስክር ወረቐት ኣበርኪተምሉ።

ኣብዚ ኮንፈረንስ ኣሕዋት  ነጋሽ ዑስማንን ኢድሪስ ኑሩን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምውካል ተሳቲፎም።

Last modified on Sunday, 29 January 2023 18:44