Print this page

ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ መቐለ ኣትዮም

2022-12-26 10:07:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 589 times
Rate this item
(0 votes)

ናብ መቐለ ዝተጓዕዘ ልኡኽ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ብኣፈ-ጉባአ ፓርላማ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ 26 ታሕሳስ 2022 ከተማ መቐለ ከም ዝኣተወ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሓቢረን።  ኣብቲ ኣብ መንጎ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ሰላም ዘተ ይሳተፉ ካብ ዝነበሩ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነትን ዶር  ጊደወን ጢሞቴዊስ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕግን ከምኡ እውን ሚኒስተራት ኣካል ናይዚ ልኡኽ ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይቲ ብሄራዊ ናይ ምምኽኻር ኮሚሽን ዝበሃል ትካል ኣባላት ከም ዝርከብዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እቲ ልኡኽ ኣብ መዓረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ኣብ ዝበጸሓሉ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል፡ መራሕቲ ሃይማኖትን  ካለኦት ኣካላትን ትግራይ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሉ ተፈሊጡ።

እዚ ጉዕዞ ላዕለዎት ሰበሰልጣን ኢትዮጵያ ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ ኣብ ዘሓለፈ ክልተ ዓመታት ንመጀመርያ ኮይኑ፡ ብውዕል ፕሮተርያን ናይሮብን ተኸቲሉ ዝካየድ ዘሎ እዩ። እዚ ጉዕዞ መስርሕ ሰላም ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዉ ዘመልክት ምዃኑ እተን ናይ ዜና ማዕከናት ጠቒሰን። ናይቲ ልኡኽ ጉዕዞ ናብ መቐለ ንትግባረ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ሰላም ከም ዝሕግዝ ድማ ተገሊጹ። 

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ  ዓሊ  ነቲ ተበጺሑ ዘሎ መስርሕ ሰላም  ብደረጃ ካቢነ ሚኒስተራት ከም ዝገምገምዎን ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ከም ዝርከብን ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።

Last modified on Monday, 26 December 2022 11:20