Print this page

ጨንፈር ኖርወይ ሰደህኤ ዕዉት ኣኼባ ኣሰላሲሉ

2022-11-07 13:00:02 Written by  ጨንፈር ኖርወይ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 701 times
Rate this item
(0 votes)

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ፣ ብ6 ሕዳር 2022 ኣብ ከተማ ኦስሎ ብኣካል ተራኺቦም ዕዉት ኣኼባ ኣሰላሲሎም። ኣብዚ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብኣካል ናይ ምርኻብ ኣኼባ ኣኼበኛታት ኣብ ኩነታትን መደባትን ጨንፈር፣ ዞባን ሰልፍን ዘተኮረ ዓሚቊ ምይይጥ ኣካይዶም። ኣብ ኩነታት ጨንፈር ብምኽንያት ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ዘኸተሎ ምስንባድ፣ ብሓፈሻ ኩሉ መዳያዊ ኣኼባታት ብፍላይ ድማ ብኣካል ናይ ምርኻብ ዕድላት ንሓያለይ ግዜ ተኾሊፉ ብምጽንሑ፣ ናህሪ ቃልሲ ብኡ መጠን ኣብ ዘገምታ ወሪዱ ከምዝጸንሐ ተገምጊሙ። ብመንጽር እዚ ኣኼበኛታት ናህሪ ቃልሶም ኣብ ንቡር ክመልሱን፣ ምስ ጠለብ ኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን ከቃንዩን ንኹሉ ኣብ ቀረባን ርሑቅን ዘሎ ኣባል ጨንፈር ከሳትፍ ዝኽእል ኣገባብን ግዜን እንዳተመርጸ ጽዑቅ ኣኼባታት ክካየድ ከምዘለዎ፣ ነዚ ድማ መሪሕነት ጨንፈር ዝያዳ ዓቲቡ ክሰርሓሉ ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ።

ኣባል መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ዝኾነ ሓው ሙሴ ዓማር ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ፣ ንኣኸበኛታት ብዛዕባ ኩሉ መደባት፣ መምሪሕታትን ኣካይዳን ዞባ እኹል ዝርዝራዊ መብሪሂ ሂቡ። ተጋባእቲ ንዝተዋህቦም ሓበረታ ምርኩስ ብምግባር፣ ንትግባረ መደባት ዞባ ብዘለዎም ዓቅሚ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም፣ ንምሕያል ጨናፍርን ዞባን ብዝምልከት መሪሕነት ዞባ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ ዝበልዎ ናይ ስራሕ እማመታት እውን ኣቕሪቦም።

ብምቅጻል ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ፣ ንኣባላት ብዛዕባ እቲ ንሱ ንጨንፈር ወኪሉ ብኣካል ዝተሳተፎ ኣብ ዕለታት  23 24 25 መስከረም ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝተኻየደ ሰሚናር ሰልፍን፣ ብዛዕባ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክካየድ ተመዲቡ ዝስረሓሉ ዘሎ 4ይ ጉባኤ ሰልፍን፣ ንዕዉት ኣተገባብራ ናይዚ ጉባኤ ብዝምልከት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፍን፣ ፍሉይ ኣሰናዳዊ ሽማገለ ጉባኤን ሓንጺጾምዎ ዘለዉ መደባትን ናይ ስራሕ ኣከፋፍላን ብዝምልከት መብሪሂ ሂቡ። ኣባላት ጨንፈር ብወገኖም ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ጎድኒ መሪሕነት ሰልፎም ምህላውዎም ኣረጋጊጾም። ብመሰረት እቲ ኣብ ሰሚናር ፍራንክፎርቲ ዝተበጽሐ ናይ ሓባር መረዳእታን ገምጋምን ድማ ሰልፍና ክሕይልን ሓዪሉ ንቅድሚት ክሓንንን ኣብ መንጎ ጨናፍርን፣ ዞባን ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፍን ዘሎ ሰንሰለታዊ ርክብ ሓያልን ህያውን ክኸውንን፣ ዝያዳ ኣብ ፖለቲካዊ መደባት ዘድሃበን ክኸውን ከምዘለዎን ተላብዮም።

ኣኼበኛታት ኣብ መወዳእታ ንመጻኢ ግዜ ዝራኸቡሉ ዕለተን ሰዓትን ስሩዕ ኣኼባ ብሓባር ወሲኖም ተሰናቢቶም።     

ዓወት ንዲሞክራስያውን ህዝባውን ቃልስና!

Last modified on Monday, 07 November 2022 14:19