Print this page

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ጉተረዝ “ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ይውጻእ” ኢሎም

2022-10-18 07:43:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 697 times
Rate this item
(0 votes)

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብ17 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዝሃብዎ ህጹጽ መግለጺ “ሓይልታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ይውጻእ” ኢሎም፡ “ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ”  ከም ዝበሉ ካብ ቤት ጽሕፈቶም  ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ጉተረዝ ኣብቲ ህጹጽ ጋዜጣዊ መግለጺኦም፡ ኣብ ትግራይ፡ ዓመጽን ዕንወትን ኣብ ኣስጋኢ ደረጃኡ ይበጽሕን  ማሕበራዊ ህይወት የንቆልቁል ከም ዘሎን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ጠቒሶም። ኣብ ከባቢ መንበሪ ሰላማውያን ከይተረፈ ግፍዓዊ መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመ ጠቒሶም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ንጹሃት ቅትለት፡ ከቢድ ዕንወት ትሕተ-ቅርጻን ምቁራጽ መሰረታዊ ቀረባትን ከም ዘጋጠመ ሓቢሮም።

ጉተረዝ ነዚ “ሓይልታት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ይውጻእ” ዝበልሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ መዕርፎ ነፈርትን ካለኦት ፈደራላዊ ትካላትን ንምቁጽጻር  ውግእ ከም ዝቕጽል ምስ ኣፍልውጠ እዮም።

ሰቪል ሕብረተሰብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ ዝበሉ ጉተረዝ፡ ካልእስ ይትረፍ እቲ ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ነሃሰ 2022 ዳግማይ ካብ ዝጅመር  ንደሓር ጥራይ ኣማኢት ኣሸሓት ሲቪል መብዛሕትኦም ንኻለኣይ ግዜ፡ ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ጠቒሶም። ከምኡ እውን ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ጭካነን ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ኣደታትን ካልእ ክፍሊ ሕብረተሰብን ትግራይ ይፍጸም ኣሎ፡ ዝብል ኣሻቓሊ ጸብጻባት ብተኸታታሊ ከም ዝበጽሖም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ኣንጸባሪቖም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኩሎም ወገናት ብዓለምለኻዊ ሕግታት ክግዝኡ ይግባእ ድሕሪ ምባል፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ኣብ ዘካይዶ ጻዕሪ ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጾም።

Last modified on Tuesday, 18 October 2022 09:55