Print this page

ሰሚናር ኣባላት ሰዲህኤ ተኸፊቱ

2022-09-24 09:43:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 718 times
Rate this item
(0 votes)

Seminar 230922 1መሰረታትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተሳተፍዎ ሰሚናር ብ23 መስከረም 2022 ተጀሚሩ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ሰሚናር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤ (ደጊጋ) መሰረታት ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይስልኪ ተወፉይነቶም፡ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ኣብዚ ሰሚናር ምስታፎም ኣመስጊኑ። ናይቲ ብኣካልን ብዙምን ዝካየድ ሰሚናር ኣቕጣጫ፡ ኣድህቦን መድረኻዊ ኣገዳስነትን እንታይ ምዃኡ ኣብሪሁ። ኣስዒቡ ድማ ነቶም ሰሚናር ዝዛረበሎም ዛዕባታት ዘርዚሩ።

 እዚ ሰሚናር ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብቲ መስርሕ፡ ሰለስተ ኣቐዲሞም ብሽማግለታት ተጸኒዖም ዝተዳለዉ፡ ሰለስተ ሰነዳት ክቐርቡ እዮም። እቶም  ሰነዳት፡ “ሰልፋዊ ዕቤትን ምድልዳል ሓድነትን፡ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ሰዲህኤን ኣገዳስነት ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን” ዝብሉ እዮም።

እዚ ሰሚናር ኣብ ዝተኸፍተሉ እሞ ዝያዳ 7 ሰዓታት ዝቐጸለሉ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ መደብ ብዛዕባ’ቲ “ሰልፋዊ ዕቤትን ምድልዳል ሓድነትን፡” ዝብል ጽሑፍ ምይይጥ ተኻይዱ። ኣብዚ ናይ 23 መስከረም 2022 ክፋል ሰሚናር፡ ናይታ ነቲ ሰነድ ኣጽኒዓ ዘቕረበት ሽማግለ ኣቦመንበር ብጻይ ፍሰሃየ ሓጐስ፡ ብዛዕባቲ ኣቐዲሙ ንኣባላት ተዘርጊሑ ዝጸንሐ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ናይ ምይይጥ መበገሲ መብርሂ ሂቡ።

ኣብዚ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ርክብ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ተሳተፍቲ ሰሚናር፡ ንሓያልን ድኹምን ጐድንታት ሰልፊ፡ ኣብ መጻኢ ብሰልፊ ክዕመሙ ዝግበኦም፡  ምድልዳል ሓድነት ሰልፍን ብሰልፊ ዝወሃብ ኩለ-መዳያዊ ኣገልግሎትን ኣብ ዝብሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ሰፊሕን ዝርዝራውን ምይይጥ  ተኻይዱ።

 

Last modified on Saturday, 24 September 2022 11:49