Print this page

ኣል ቡርሃን፡ ዓባይ ብሪታንያ ንሱዳን ይቕረታ ክትሓታ ጸዊዖም

2022-09-09 17:39:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 822 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦ-መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንዝፈጸመቶ ገበን ብወግዒ ይቕረታ ክትሓታ ብ6 መስከረም 2022 ከም ዝጸውዑ ሬድዮ ድባንጋ/ DBANGA ኣቃሊሓ።  እቶም ጀነራል ኣብዚ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ብምክትል ፕረሲደንት ልኡላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰዳን  ጀነራል መሓመድ ሀመቲ ዳጋሎ ዝእዘዝ ሓይልታት ህጹጽ ረዲአትን ሕድሕዶም ክዋግኡ እዮም ዝብል ወረ ሓሶት ምዃኑ ሓቢሮም።

እቶም ጀነራል ነዚ ዝገለጹ መበል 124 ዓመት ዝኽሪ  ኣብ መንጎ ሱዳናዊ ሓይልታት ማህድን ሰራዊት ዓባይ ብሪታንያን ዝተኻየደ  ውግእ ካራሪ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምዃኑ እታ ዘይመንግስታዊ ሬድዮ ሓቢራ። ኣል ቡርሃን ንናይ ሽዑ ተግባር ብሪታንያ፡ ዘሕትትን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ገብንን እዩ ኢለሞ። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ እዋንቲ     “ሓይልታት ብሪታይን፡ ድሕሪቲ ውግእ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልታት ቀጻሊ ቅትለትን ማሕረድትን እዮም ፈጺሞም” ክብሉ ገሊጸሞ። እቲ ተግባር  ማዕረ ህልቂትን ምጽናት ዘርእን ከም ዝረአ ድማ ኣብቲ መደረኦም ገሊጾም። ውግእ ካረሪ ብ2 መስከረም 1898 ካብ ከተማ እምዱርማን ንወገን ሰሜን ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ እዩ።

ብ2008 በቶም ሎሚ ካብ ስልጣን ወሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ዑመር ኣልበሽር ናብ ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ንዝፈጸመኦ ጨፍጫፍ  ይቕረታ ክሓታን ሽዑ ዝሰረቐኦ ንብረት ከመልሳን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እንተኾነ ብውገን ዓባይ ብሪታንያ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ መልሲ የለን።

Last modified on Friday, 09 September 2022 19:44