Print this page

መርማሪ  ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

2022-07-26 08:49:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 819 times
Rate this item
(0 votes)

UN commissionብዓለምለኸ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዙ ኣባላት ኮሚሽን ክኢላታት ምርመራ ሰብኣዊ መሰል፡ 25 ሓምለ 2022 ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ እሙናት ምንጭታት ገሊጾም። እቶም ሰለስተ ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ክኢላታት፡ ኬንያዊት ካሪ በቲ ሙራኒ ኣደመንበር፡ ስሪላንካዊት ራድሂካ ኩማራስዎሚን ኣሜሪካዊ ስተቨን ራተርን ድማ ኣባላት እዮም። ናይዚ ኮሚሽን ክኢላታት ናብ ኢትዮጵያ ምምጻእ፡ ኣብታ ሃገር መስርሕ ምጽራይ ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብኸመይ ከም ዝካየደ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ንኣገባብ ኣብ ዝምልከት ንምዝርራብ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ናይ ምምርማር ሓላፍነት ዘለዎ ኮሚሽን ክኢላታት ብ17 ታሕሳስ 2021 እዩ ኣቚምዎ። ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውግእ ትግራይ ንስደተኛታት ዝምልከቱ ዓለምለካዊ ሕግታት ብኹሎም ወገናት ብዛዕባ ምጥሓሶምን ዘይምጥሓሶምን  ክምርምር እዩ።

እዚ ኮሚሽን ክኢላታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝምልከት፡ ብ30 ሰነ 2022 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ናይ ቃል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ።  ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ክኢላታት ኣብቲ ዘቕረብኦ ናይ ቃል ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ምህላዉ ሓቢረን፡ ብፍላይ ናይ 18 ሰነ 2022 ፍጻመ ቅትለት ኣማኢት ሰቪላት ምዕራብ ወለጋ ንኣብነት ጠቒሰን። ኣተሓሒዘን ከኣ ኣብቲ ጸብጻበን ዓሌት መሰረት ጌርካ ዝቐርቡ መደረታትን ጐስጓሳትን ዘርኣውን ጾታውን ፍልልያት ፈጢሮም ናብ ዝገደደ ገበን ዝወስዱ ምዃኖም ኣጠንቂቐን። ናይ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ሰብኣዊ ቀረባትን ዕጽዋታት ድማ ቅልውላው ዘጋድዱ ምዃኖም ዘርዚረን።

 

ኣብ መወዳእታ እተን ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ስራሕ ምጅማር ጠቒሰን፡ ክሳብ ሕጂ ብሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበረሉ ዘሎ ምትሕብባር ኣውንታዊ ምዃኑ ሓቢረን። ኣብ መጀመርያ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምዛዝ እዚ ኮሚሽን ተቓዊሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዚ ኮሚሽን ክኢላታት 30 ሓምለ 2022 ብዛዕባ ጉዕዘኡ ናብ ኢትዮጵያ መግለጺ ከውጽእ ትጽቢት ኣሎ።

ሃገርና ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንምምርማር ብሕቡራት ሃገራት ንዝተመዙ ኣካላት ዕጽውቲ ምህላዋ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 26 July 2022 10:56