Print this page

ኤምባሲ ኣሚሪካ ኣብ ኣስመራ; መሰል እምነት ክኽበር ጸዊዑ

2022-06-07 08:10:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 894 times
Rate this item
(0 votes)

ሚኒስተር ዜና ስርዓት ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ብዙሓት ኣብያተ-ጸሎት ዝተፈላለዩ እምነታት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ናይ ትዊተር ገጹ ኣተሓሒዙ  ኤምባሲ ኣሜሪካ ግና ኣብ ኤርትራ መሰል ሃይማኖት ከም ዘይክበር ይኸስስ ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።   

ነቲ መልእኽቲ ዝተዓዘበ ኤሜባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ብየማነ ገብረመስቀል “ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን ኣሎ”  ንዝተባህለ መልእኽቲ  ተቐቢሉ፡ እንተኹነ ኣብቲ ኣብያተ-ጸሎት ኤርትራውያን  ኣመንቲ   ብናጽነት ክጽልዩን ክሰግዱን ከምዘይክእሉ ብምጥቃ ንኣበሃህላ የማነ ኣቃሊዑ። እቲ ኤምባሲ ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ ፈቓድ ዘለወን እምነታት 4ተ ጥራይ ምዃነን ገሊጹ። ኢቫንጀሊካንን ካለኦት ንኡሳን ጉጅለታት እምነት ክርስትናን ተኸተልተን ኣብተን የማነ ገብረመስቀል ዝጠቐሰን ኣብያተ-ጸሎት ክጽልዩ ከምዘይክእሉ ኣተሓሒዙ ኣስፊሩ። ከምኡ እውን ሰዓብቲ ሸዓን ሱፊን ዝተባህላ ጉጅለታት ሃይማኖት ምስልምና ኣብዘን መሳጊድ ናይ ምጽላይ መሰል ከምዘየብሎም ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፎም ካብተን መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃበን 4ተ ሃይማኖታት ወጻኢ ዘምልኹ ኤርትራውያን ከም ዝእሰሩን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዝሳቐዩን ጠቒሱ።

እቲ ኤምባሲ ኣብዚ ናይ ፈይስቡክ ሕሳቡ መልእኽቲ ከም ዝጠቐሶ፡ ናጽነት ሃይማኖት መባእታዊ መሰል ሰባት እዩ። ኣተሓሒዙ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኩሎም ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኣብ ኤርትራ ክምዝገቡ እሞ ሕጋውያን ኮይኖም ክጽልዩ ጸዊዑ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኤርትራውያን ብሰላም ኣብ ኣባይቶም ስለ ዝጸለዩ እውን ይእሰሩ ምህላዎም ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ኣፍልጦ ረኺቦም ዘለዉ እምነታት እውን ብዘይ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ብናጻ ስርዓተ-እምነቶም ከካይዱ እቲ ኤምባሲ ጸዊዑ።

እቲ ኤምባሲ ንሃይማኖታዊ ብዙሕነት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ደገፉን ናእዳኡን ክገልጽ  ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዘይካዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ ፖሊሲኡ ዳግመ-ርኢቶ ንክገብር ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

Last modified on Tuesday, 07 June 2022 10:17