Print this page

ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ኣብ መስርሕ ዘተ ከምዘይሳተፍ ኣረጋጊጹ

2022-05-09 13:06:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 769 times
Rate this item
(0 votes)

ሓላፊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ዓምር ዩስፍ፡ ኣብ ካርቱም ንመዲያ መብርሂ እናሃቡ

ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ብሓባር ተመዲቡ ኣብ 2ይ ሰሙን ወርሒ ጉንበት 2022 ዝካየድ መስርሕ ዘተ ከምዘይሳተፍ ምግላጹ፡ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን/SUDAN TRIBUNE፡ ብ7 ጉንበት 2022 ብዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ።

እዞም ሰለስተ ኣካላት፡ ኣብ ሱዳን ንዘሎ ቅልውላው ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ 10-12 ጉንበት 2022 ኣኼባ ክግበር ከም ዝመደቡ እቲ ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጡ። ምሕዝነት ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ብወገኑ፡ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ናይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዘብቅዓሉን ሲቪላዊ ምስግጋር ዝረጋገጸሉን ኩነታት ንምፍጣር ቆላሕታ ከም ዝህብ ምጥቃሱ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ብወገኑ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ኩሎም ሲቪላዊ ኣካላት ምክፍፋል ኣወጊዶም ናብ ሓደ መድረኽ ከምጸኦም እንተ ክኢሉ ስልጣን ከረክቦም ቅሩብ ምዃኑ ምጥቃሱ እቲ ዜና ሱዳን ትሪቡን  ኣመልኪቱ።

ኣካል ሓልታት ናጽነትን ለውጥን ዝበሃል ምሕዝነት ዝኾነ፡ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን ብ7 ጉንበት 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ብሰለስተ ኣካላት ተዳልዩ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መቀራረቢ መስርሕ ዘተ ከምዘይሳተፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ “እዚ ንተሳትፎ ምንጻግና፡ መቐጸልታ ናይቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መርገጽና ኮይኑ፡ ኣካል ናይ ዝኾነ እቲ ናይ ቅድም ዕልዋን ሳዕቤኑን ኣወጊዱ ሲቪላዊ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ዘየውሕስ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣይንሳተፍን ኢና” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዚ ዝዳሎ ዘሎ መበገሲ ዝተባህለ መስርሕ ዘተ ዘውሕሶ ለውጢ ከም ዘይህሉ እቲ መግለጺ ናይ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን ኣትሪሩ ኣስፊሩ።

ሓላፊ ባይቶ ልኡላውነት ሱዳን ብወገኖም፡ ኣቦመንበርነት ናይቲ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ብሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ዝተመዘዘ ሲቪል ኣካል ከረክብዎን ንህጹጽ ሓይልታት ሱዳን ምስቲ ስሩዕ ሃገራዊ ሰራዊት ንምጽንባርን ቅሩብ ከምዘይኮኑ ከም ዘረጋገጹ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኣብ ርእሲዚ ወተሃደራዊ ክፍሊ ሱዳን ነቲ ተመዲቡ ዘሎ መስርሕ ዘተ ጥጡሕ ኩነታት ንምፍጣር ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Last modified on Monday, 09 May 2022 15:16