Print this page

ቢንያም ግርማይ ክሳብ 2026 ምስ ክለቡ ዘጽንሖ ውዑል ፈሪሙ

2022-05-01 20:02:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 826 times
Rate this item
(0 votes)

 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዑል ብቅዓት ብምርኣይ ታሪኽ ዝሰርሐ፡ ምስ ቤልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርች-ዎንትይ ጎቦርት ዝወዳደር፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፡ ምስታ ዝጸንሓ ክለብ ክሳብ 2026 ዘጽንሖ ውዕል ከም ዝፈረመ፡ ንወግዓዊ መርበብ እታ ክለብ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ሓቢራ።

በልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርች-ዋግ፡ ኣብቲ ዘውጸኣቶ ዜና “ቢንያም ግርማይ ኣብ ገዝኡ ዘጽነሖ ስምምዕ ፈሪሙ” ብዝብል ሓጐሳ ከም ዝገለጸት እቲ ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ። 

ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ናይ መጀመርታ ዓወት ንኤርትራ ዘውሃባ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ውድድራት ክላሲክ ነዚ ዓወት ከመዝግብ ዝበቐዐ ናይ መጀመርያ ተቐዳዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ  ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ውድድራት ዘካይዱ ዘለዉ ክኢላታት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ዝነኣድ ዓወታት የመዝግቡ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

 

Last modified on Sunday, 01 May 2022 22:14