Print this page

ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መደበር ኣለምዋጭ

2022-04-03 09:26:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 805 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ኤርትራውያ ስደተኛታት ክዕቆብሉ ጀሚሮም ኣብ ዘለዉሉ ሓደሽ መደበር  ኣለምዋጭ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኢሪሳት (ERISAT) ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ዝተወሰኑ ዕጡቓት ብ2 ማዝያ 2022 ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ኣብ ከባቢ ዳባት-ጐንደር ዝርከብ ሓድሽ መደበር ስደተኛታት ኣትዮም ብዝኸፈትዎ ተኹሲ 8 ስደተኛታት ከም ዘቑሰሉን ካብቶም ግዳያት ክልተ ኣዝዮም ህሱያት ምዃኖምን እቲ ዜና ገሊጹ።

ነቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዝተባህሉ ሓደጋ ዘውረዱ ዕጡቓት ሒዝካ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ጻዕሪ’ኳ እንተሎ ሽዑንሹ ከምዘይተታሕዙ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ስደተኛታት ናብ ሆስፒታላት ጐንደርን ደባርቕን ከም ዝተወሰዱ ተፈሊጡ።

ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣጐደ ውግእ ቅድም መደበር ስደተኛታት ሽመልባን ሕንጻጽን ከም ዝፈረሳን  ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ከም ዝቐጸሉን ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንተኾነ እዘን ክልተ መደበራ እውን ኣብቲ  ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ዝርከባ ምዃነን ዝፍለጥ እዩ። መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከኣ ከም መተካእታ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ 2021 ዝተኸፍተትኳ እንተኾነት ውሕስቲ ዘይምዃና  እዚ ዝተጠቕሰ ናይ 2 ማዝያ 2022 ሓደጋ መረጋገጺ እዩ።

ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን “እንዳ ARRA” ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ፡ ትካል መግቢ ዓለምን ካልኦት ግብረሰናይ ማሕበራትን ብምትሕብባር ነዛ ሓዳስ መደበር ከፊተን፡ ብ22 ለካቲት 2022 ኣስታት 1,400 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ክዕቆባ ከም ዝጀመራ እዚ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ለካቲት 2022፣ ኣብ መደበር ስደተኛታት ባራሕሌ  ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብዉሑዱ ሓሙሽተ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዕጡቓት ከም እተቐትሉን እቶም ዝትረፉ ካብቲ መደበር ሃዲሞም ናብ ሰመራን ካልእ ከባብታት ዓፋር ከም ዝኸዱን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 24 መደበር ስደተኛታት ከም ዘለዋን ኣብኣተን 823 ሺሕ ስደተኛታት ተዓቒቦም ከም ዘለዉን ይንገር።  ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 70 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዝህልዉ ይግመት። ብመሰረት ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ሶማላውያንን እዮም። 

Last modified on Sunday, 03 April 2022 11:34