Print this page

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ዘለዎ ናብ ትግራይ ከይስጉም ተኣዚዙ

2021-12-23 21:28:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3012 times
Rate this item
(0 votes)

መንግስታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ሓይልታት ክልልን ካብቲ ሕጂ ዘለዉዎ ቦታ ናብ ክልል ትግራይ ከይስጉሙ ከም ዝተኣዘዙ፡ ሚኒስተር ርክብ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ብ23 ታሕሳስ 2021 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጦም። ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ምብራቕ ኣምሓራን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝወጹ  ድሕሪ ብወግዒ ምእዋጆም እዩ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን መላፍንቱ ሓይልታት ክልልን፡ ካብቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ቦታታት ከባቢ ቆቦ ናብ ማእከል  ትግራይ  ከይግስግሱ መምርሒ ከም  ዝተዋህቦም ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተገሊጹ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓይልታቱ ካብቲ ዝነበሮ ከባቢ ምብራቕ ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምስሓቡ፡ ተኹሲ ጠጠው  ኣቢሉ ንዘተ ድሉዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡  ብ21 ታሕሳስ 2021 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት መልእኽቲ ምስዳዱ ዝዝከር እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ምብራቕ ኣምሓራን ምውጻእ ንፖለቲካዊ ዝርርብን ሰላማዊ መፍትሕ ዕድል ዝህብ ምዃኑ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሊጾም እዮም። እዚ ከምዚሉ ኣንከሎ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ እቶም ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዙ ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፡ ኦለሳጎን ኦባሳንጆ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኢትዮጵያ ክመጹ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።  እዚ ዝርአ ዝሎ ምዕባለታት፡ ነቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ውግእ ናብ ፍጻመ ክበጽሖ እዩ ዝብል እምነት ተነቢርሉ ከም ዘሎ ናይ ብዙሓት ወገናት ግምት እዩ።

ሚኒስተር መራኸቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ኣብዚ መግለጺኦም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ኩነታት ገምጊሙ ሰራዊት ትግራይ እንደጋና ንኢትዮጵያር ሓደጋ ዝኸውን እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣድላይ ዝበሎ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዝኽእል እውን ጠቒሶም። እቶም ሚኒስተር ኣተሓሒዞም ኣብዚ እዋንዚ ፍናን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎ ገሊጾም፡ ንሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምውጸኦም ናይዚ ብቕዓቱ መርኣያ ምዃኑ እውን ጠቒሶም። እቶም ኣብቲ መግለጺ መሻርኽቲ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተባህሉ ናይ ክልል ኣምሓራ ሚሊሻ፡ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ምዃኖም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ይገልጹ። ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት መንግስቲ ክልል ትግራይ ሰራዊተይ ምእንቲ ሰላም ክብል እዩ ካብ ኣምሓራን ዓፋርን ስሒቡ ክብል እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ስዒርና ኢና ኣውጺእናዮ ብዝምል ክዋጠጡ ከም ዝቐነዩ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 23 December 2021 22:31