ሳጹን ህግደፍ ናይ ምህጣር ክተት

2021-12-09 19:33:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1065 times

“ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን” ዝበሃል ኣካል፡ ብ5 ታሕሳስ 2021 “ክተት ከም መድረኻዊ ግድነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ምስ ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገረ ጀርመን  ኣኼባ ከም ዘካየደ ነቲ ኣኼባ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ሓቢሩ። እቲ ሽማግለ ኣብዚ ስሙ ከም ዝሕብሮ “ግድነታዊ” ዝነበረ ኣኼባ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጀርመን ዝነብር ኤርትራዊ ብውሕዱ 200 ዩሮ ክኸፍ ዝግደደሉን ዓቕሚ ዘለዎ ከኣ ዝያዳ ከብርክተሉ ምርድዳእ ከም ዝተበጽሐ ይጠቅስ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዚ ከም ፕሮጅርክት ተወሲዱ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ጀሚሩ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክትግበር ይእዝዝ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ኤርትራውያን ወገናት “እቲ ንሕና ክሳብ ዘለና ህዝብና ኣይጠምን፡ ሃገርና ኣይነድፍር” ብዝብል  ተሳታፊ ኣኼባ ተረዳዲእሉ ዝተባህለ ክፍሊት፡ ውሱናት ኣቐዲሞም ወሲነምዎ ዝጸንሑ እምበር፡ ናይ ኩሉቲ ተሳታፊ ውሳነ ከምዘይነበረን ከተግብርዎ ቅሩባት ከምዘይኮኑ ኣቃሊዖም። በቲ ካልእ ወገን ግና ዋላ ኣይዕገብሉን ዓቕሚ ኣይሃልዎምን፡ ናብ ዓድኻ ምጋሽ ጀሚርካ፡ ካብ ምምሕዳር ህግደፍ  ኣገልግሎት ዝሓቱ ኣካላት ካብ “ከይፈተኻ ምኽፋል” ካልእ ምርጫ ከም ዘየብሎም ይገልጹ።

እቲ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትሕቲ “ክተት ከም መድረኻዊ ግድነት” ዝብል ጭረሖ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ንምእካብ ኣገዲዱ ዝተበህለሉ  ምኽንያት እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባዊ ትካላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ህግደፍ ወሲናቶ ዘላ እገደኣ፤ ክቕጽልዩ ዝብል ስግኣት  ምዃኑ ኣብቲ ዝተዘርገሓ ጽሑፍ ሰፊሩሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ኣሜሪካ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እገዳ ከም ዝወሰነት ንጹር ክነሱ፡ ኣብቲ ጽሑፍ “ኣሜርካ እናዓበየ ይኸይድ ብዘሎ ልምዓትና ቀኒኣ” ዝመንፈሱ ዘገርም ሓሳብ ምስፋሩ እዩ።  ከምኡ እውን እቲ ጸላእቲ ኣብ ልዕሌና ተላዒሎም ዝብል ልሙድ መዳህለልን ሸሓጥን ምህዞ  ኣብዚ ሓድሽ ክተት እውን ይጥቀምሉ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ባዕልኻ ጸገም ፈጢርካ ተገልቢጥካ ገንዘብ ኣምጽኡ ምባል፡ ህዝቢ ንምሕጋዝ ዘይኮነ፡ ሳጹን ህግደፍ ናይ ምህጣር ዕላማ ዘሎ ወፈራን ፕሮጀክትን ኣብ ጀርመን ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ኣብ ካለኦት ኩርነዓት ዓለም እውን ከም ዝቕጽል ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ኣብዚ መዳይዚ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮም መዚኖም ብጉልባብ “ህዝቢ ንምሕጋዝ” ሓይሊቲ ወጻዒኦም ጉጅለ ካብ ምድላብ ክቑጠቡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ጸዋዒት እዩ።

Last modified on Thursday, 09 December 2021 20:46