Print this page

ኢትዮጵያ 7 ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላት ክትሰጉግ ወሲና

2021-10-01 07:42:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1369 times
Rate this item
(0 votes)

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገሩ ክወጹ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ሃገር ከም ዝኣዘዘ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ማዕከናትን ዝተፈላለያ ትካላት ዜናን ሓቢረን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ብ30 መስከረም 2021 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቶም ካብ ሃገሩ ንኽወጹ ዝኣዘዞም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያዊ ጉዳያት ኢድ ብምእታው እዩ ከሲስዎም።

እቶም ካብ ኢትዮጵያ ንክስጎጉ ዝተወሰኖም፡ 1) ኣቶ ግራታ ለይቲ፡ ምክትል ሓላፊ ምውህሃድ ሰብኣዊ ረዲአት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ጉዳይ ሰብኣዊ ረዲአት 2) ወይዘሮ ኣደል ኮዶር ወኪል ዩነሰፍ ኣብ ኢትዮጵያ 3) ወይዘሮ ጋዳ ኢልታሂር ሙዳዊ ግዝያዊ ምክትል ኣተሓባባሪት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረዲአት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ 4) ኣቶ ክወሲ ሳንኩለተ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰላምን ዕቤትን ኣማኻርን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ረዲአት ኣተሓባባርን 5) ኣቶ ሰይድ መሓመድ ሄርሲ ምክትላ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ኢትዮጵያ 6) ኣቶ ሶኒ ኣኑግብላ ተቖጻጻሪ፡ ጸብጻብ ሓጋዝን፡ መራሒ ጋንታ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ 7) ወይዘሮ ማርሲ ቪጎዳ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረዲአት ኣብ ኢትዮጵያ እዮም።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ማርቲን ግረፊት ንስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብትሪ ነቒፎም፡ እዚ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣዝዩ ሓያል ጥሜት ዘጋድድ ምዃኑ ብምጥቃስ እቲ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ረዲአት ዝቐርበሉ ዕድል ይዓጹ ከምዘሎ  ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት  ኣንቶኒዮ ጎተሬዝ ብወገኖም እቲ ውሳነ ምስ ሰምዑ ኣዝዩ ከም ዝደንጸዎም ጠቒሶም፡ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ ረዲአት ተግባራት፡ ብመንጽር ሰብኣውነት፡ ርትዓውነት፡ ብዘይሻራነትን ናጽነትን ከም ዝካየድ ጠቒሶም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ሕቡራት ሃገራት፡ መግቢ፡ መድሃኒት፡ ማይን ንጽሬት ዘድሊ ነግራትን ምቕራብ ዝርከቦ ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓት ተግባራት የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም፡ ኣብቶም ኣብዚ ተግባር ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም እምነት ዕዙዝ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ክሕግዝ ድልዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ረዲአት ግቡእ ተግባራቶም ክፍጽሙ ከፍቅደሎም ይግበኦ ዝብል ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሞት ዘብጸሓ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ነዚ ስጉምቲ ብምውሳዱ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይኹነን ኣሎ። 

Last modified on Friday, 01 October 2021 09:45