Print this page

ኤርትራውያን ካብ ግብጺ ናይ ምምላስ ሓደጋ

2021-08-18 07:06:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1827 times
Rate this item
(0 votes)

ማእከል ኤርትራ ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ “ማእከል ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ” ዝተባህለ ኣካል ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ክልተ ኤርትራውያን ካብ ሃገር ግብጺ ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋ የንጸላልዎም ኣሎ። እዞም ኣብ ግብጺ ዑቕባ ዝሓተቱ፡ እሞ ናይታ ሃገር ኢሚግራሸን ናብ ኤርትራ ክመልሶም መዲቡ ዘሎ ኤርትራውያን፡ ኣለም ተስፋይ ኣብርሃምን ክብሮም ኣድሓኖም ዝተባህሉ ብቕደም ሰዓብ ካብ 2012ን 2014ን ጀሚሮም ኣብ ግብጺ ኣልኳናተር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኣሲሮም ዘለዉ እዮም። እዞም ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም መነባብሮ ዝተሰዱ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግብጺ ብዘይወዓልዎ ገበን ኣደዳ ስቓይን መከራን ኮይኖም ዝጸንሑ እዮም።

እቲ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ ኤርትራን ግብጽን ነዞም ሰባት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብምጥሓ እየን ክመልሰኦም መዲበን ዘለዋ። ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ምምሕዳር ነዞም ግዳያት ብ8 ነሃሰ 2021 ናብ ቤት ጽሕፈት ኢምግረሽን ናይታ ሃገር ከም ዝወሰዶምን  ኣብኡ ንዝጸሑ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኤርትራ ብዛዕባ ምምላስ ናይዞም ግዳያት ናብ ኤርትራ ከም ዝሓበርዎምን እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

መበል 13 ዓንቀጽ ኣድማሳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰል “ዝኾነ ሰብ፡  ናጻ ናይ ምንቅስቓስ  መሰል ኣለዎ”ን  “ዝኾነ ሰብ   ካብ ዝኾነ ሃገር እንተላይ ካብ ሃገሩ ናይ ምውጻእ”ን መሰላት ኣለዎን ዝብሉ  ድንጋገታት ዝሓዘ እዩ። ግብጺ ናይቲ ብ1951 ዝተበጽሐ ንስደተኛታት ዝምልከት ናይ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ውዕል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ኣካል እያ። ብመንጽርዚ ውዕላት ነዞም ኤርትራውያን ግዳያት፡ ናይ ኣየነይቲ ሃገር ዜጋታት ምዃኖም ብዘየገድስ መሰልን ድሕነትን ምሕላው  ግዴተኣ ክኸውን ምተገበአ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ናይታ ሃገር ናይ 2014 ሕገመንግስቲ ኣብ ዓንቀጽ 91 ሰፊሩ ዘሎ  ንመሰል ዝምልከት ዓንቀጽ እውን ኣብ መሰል ዝኾነ ሰብ ከተተግብሮ ነይርዋ።

ኣድሓኖምን ተስፋይን ኣብቲ ክሳብ ሕጂ እውን ዘይተቛረጸ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ኮኑ ደቂ ኣንስትዮ ክሓልፍዎ ዝግደድሉ  ናይ ግዱድ ዕስክርና ባርነት ተሳቲፎም እዮም። ስለዚ ኣካል ናይቶም ካብዚ ወፍሪ ባርነት ዝሃድሙ ኤርትራውያን እዮም።

ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ብምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ምሕታት ገበን እዩ። ስለዚ እዞም ክልተ ግዳያት ናብ ኤርትራ እንተደኣ ተመሊሶም፡ ዝጽበዮም ሓደጋ  ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ብዘይፈቓድ ህግደፍ ካብታ ሃገር ዝወጸ ዜጋ ከም ከዳዕን ገበነኛን እዩ ዝቑጸር። ካብዚ ንምድሓን ከኣ “ናይ ጣዕሳ” ዝበሃል ቀጥዒ ምምላእን ካልእ ስጉምትታትን ክትወስድ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ “ማእከል ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ”  መንግስቲ ግብጺ ኣብ ክንዲ ኣገዲዱ ናብ ኤርትራ ምምላሶም፡ እዞም ዝስዕቡ ዝጉምትታት ንኽወስድ ከም ዝተማሕጸነ፡ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

 ነዞም ግዳያት ናብ ኤርትራ ክመልሶም ዘለዎ መደብ ክትስርዝ፡ ኣብ ክንድኡ ብዘይውዓል ሕደር ክትፈትሖም፡ ግዝያዊ ውሑስ ኩነታት ክፈጥረሎም፡ ብመሰረት  እቶም ኣቐዲሞም  ዝተጠቐሱ ውዕላትን ስምምዓትን  ኩሉ መሰላቶም ከም ዝተሓለወ ከረጋግጽንን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ንጉዳዮም ቆላሕታ ሂቡ ኣብ ውሑስ ሃገር ንከዕቁቦምን ንክሓትት ንመንግስቲ ግብጺ ተማሕጺንዎ።

Last modified on Wednesday, 18 August 2021 09:20