Print this page

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2020-08-18 07:44:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2393 times
Rate this item
(0 votes)

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብመስረት ቅዋም ሰልፊ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዘካይዶ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብ15ን 16ን ነሃሰ 2020 ኣሰላሲሉ።  ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ምልኣተ ኣኼባ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ። ኣስዒቡ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዛ ዝሓለፈት ናይ ስራሕ ሓላፍነት ዓመት ብደረጃ ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢናን ዓለምን ዝተራእዩ ዓበይቲ ምዕባለታት ብምጥቃስ ቃል ኣስሚዑ።

ኣቦመንበር ሰልፊ፡ ብጻይ ተስፋይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብዚ ሕማም ኮረና ኣሻቓሊ ዝኾነሉ ዘሎ ግዜ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዘቃልሶም መድረኽ ንምፍጣር ዝለዓለ ጻዕሪ የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዋን ምግብኡ ጠቒሱ።

ኣስዒቡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ዝተፈልየ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ብምዃኑ  ኣገዳስነት ናይቲ ስሩዕ ኣኼባ ዕዙዝ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ዝሓለፈ ዓመት  ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓባር ተጠራኒፍካ  ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ዘቃልስ ኩነታት ንምፍጣር፡ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዕዉት ምንባሩ ድሕር ምሕባር፡ ኣብ መንጎ ሰዲህኤን ህዲምሓኤን ንዝተፈጽመ ምሉእ ሓድነት ከኣ ከም ኣውንታዊ ኣብነታዊ ተረኽቦ  ጠቒሱ።

ድሕሪ መኽፈቲ ቃል ኣቦመንበርን ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ምጽዳቕን ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ምይይጥ ኣካይዱን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያትን መእረምታታትን ገይሩ። ድሕሪዚ ነቲ ኣኼባ እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡ ጸብጻብ ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ሰሚዑን ተመያይጡን። ኣብቲ ጸብጻብ ካብዝጠቅሱ ኣገደስቲ ለበዋታት ኣብ ግምት ብምእታው መጻኢ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ቤት ጽሕፈት ዝያዳ ከሐይል ዝኽእል ሓይሊ ሰብን መሳሒትትን ክሰርዕ ርእዩ። ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝቐረቡ ጸብጻባት ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ተቆጻጻርን ኣብ ትሕቲ ሰክረታርያ ኣኼባ ኣጽዲቑ፡ ኣገደስቲ ውሳነታት እውን ኣመሓላሊፉ። ብዘይካዚ ኣብ ከባቢና ይረአ ንዘሎ ምዕባለን ነዚ ዝምልከት ፖሊስን ኣተሓሕዛ ሰዲህኤን ኣብ ዝምልከት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱን ውሳኔታት ወሲዱን።

ቀጺሉ፡ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብምዝዛም ኣኼባኡ 9 ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ተቆጻጻርን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ። ድሕሪኡ ከኣ ተሳተፍቲ ኣካል ናይ መጻኢ ዓመት ትልሚ ክኾኑ ዝበልዎም ኣገደስቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣብ መዕጸዊ ነዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባዚ፡ ብስም ፈጻሚ ሽማግለ ከም ትካል መደባት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምዕዋት ኩሉ ዝከኣሎ ከም ዝገብር ጠቒሱ፡ ኣባላት ባይቶን መላእ ኣባላት ሰልፍን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ተወፋይነቶም ዝያዳ ከሕይሉ ኣዘኻኺሩ። መግለጺ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድማ ስዒቡ ክቀርብ እዩ።

Last modified on Tuesday, 18 August 2020 09:48