Print this page

ጨንፈር ሰዲህኤ-ስዊዘርላንድ ናይ ሌላን ምጽንባራን ኣኼባ ኣካይዱ ቤት/ጽ ዜና ሰዲህኤ

2020-08-15 05:32:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2111 times
Rate this item
(0 votes)

ድሕሪ እተናውሔ ብኲራት ርክብ፡ ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊዘርላንድ ብዕለት 14 ነሓሰ 2020 ዕዉት ናይ ሌላን ምጽንባርን ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ሓያለይ ካንቶናት ስዊስ ዝርከቡ ኣባላት ናይተን ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ሓደ ኣካል ዝኾነ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን እተሳተፍዎ እዩ ነይሩ። ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ከም ኣባላት ጨንፈር፡ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ነይሮም። ንሳቶም ከኣ ብጾት ወልደሱስ ዓማርን፡ ርሕስቲ-ኣለም ገብረየሱስን ዮውሃንስ ወረደን ኢዮም።

ኣብቲ ብኤለክትሮኒካዊ መራኸቢ (ዙም) እተኻየድ ኣኼባ፡ ብጻይ መሓሪ ዓማርን ተስፋጋብር ገብረን ብእብረ ሕጽር ዝበለ መእተዊን ድሕረ-ባይታ ናይ ዝጸንሔ ጨናፍርን ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ኣባላት ነብሶም ከላልዩ ብዝዓደምዎ መሰረት፡ ኣባላት ነብሶም ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ኣላልዮም።

ብምቕጻል፡ ኣባላት ጨንፈር ስዊስ ካብ ዝኾኑ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ሓፈሻዊ ሓበረታታት ክህቡ ተዓዲሞም። ብጻይ ወልደሱስ ዓማር ብዛዕባ ብሩህ ጒዕዞ ሰዲህኤን ኣብ መስርሕ ዘሎ ሓባራዊ ስምምዓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ደንበ ተቓውሞን ሓጺር መብርሂ ኣቕሪቡ። ንቀዳም ዕለት 15 ነሓሰ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ዓመታዊ ኣኼብኡ ክጅምር ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ፡ ብድሕሪ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንመሰረታት ዝቐርብ መግለጺታት ክህሉ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

Last modified on Saturday, 15 August 2020 07:52