Print this page

ኣብ ኤርትራ ቅትለትን ማእሰርትን ቀጻሊ’ሎ

2020-06-22 08:24:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3481 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ስሙ ዝዓቀብናዮ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣባል 3ይ ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተቐቲሉ፡ ንቡር ሓመድ ኣዳም ንኸይለብስ ድማ ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ግራር ኣብ ባሕሪ ከም ዝተደርበየ ተገሊጹ። ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከም ዝገለጽዎ እዚ መንእሰይ ኣብ ወደብዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ህግዲፍ ነቲ መንእሰይ ባዕላቶም ቀቲለም ክንሶም፡ ገበኖም ናብ ካልእ ንምልጋብ ምስቲ ቅትለት ብዝተተሓሓዘ ገበን ንዘየብሎም ነበርቲ፡ ከባቢ ግራር፡ ርእሲ ምድርን ሆስፒታልን “ቀታሊ ኣምጽኡ” እንዳበሉ ከምዘከላበትዎም እቲ ዝበጻሓና ዜና ሓቢሩ።  ምንጭና ከም ዝጠቐሶ ዝተቐትለ መንእሰይ፡ ብዘይካ ብሓንቲ ጓለ-ኣንስተይቲ ዝተላዕለ ምስ ሓላፊኡ ዝነበሮ ንኡስ ውልቃዊ ምስሕሓብ ካልእ ዝፈጸሞ ገበን ከምዘይነበሮ ኣመልኪቶም።

ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ከባብያዊ ምምሕዳር ቢንቢና፡ ኣሸሹ ካብ ዝበሃል ቦታ፡ ብ17 ሰነ 2020 ሓሙሽተ ሰባት ካብ ገዝኦም ብኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግዲፍ ከም ዝተጨውዩ ምንጭታት ሰዲህኤ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቶም ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ኢሳያስ ኩኪ ዝበሃል ወዲ ተባዕታይን ሉችያ እትበሃል ጓለንስተይትን ዝርከብዎም እዮም። ድሕሪ መጭወይቶም ኩነታት ናይዞም ግዳያት ከም ዘይተፈልጠ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ከረን ከባቢ ሓመልማሎን ጀንገረርንን ልዕሊ 200 ዝኾኑ፡ ቋንቋታት ኣምሓርኛን ሱማልን ዝዛረቡ ኢትዮጵያውያን እዮም ተባሂሎም ዝግመቱ መንእሰያት ሰፊሮም ከም ዘለዉ እዞም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ምንጭታት ሓቢሮም። ምንጭታት ሰዲህኤ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ሚዕጥርን ገርገራን ኣብ ዝበሃል ቦታታት ኤርትራ እውን ልክዕ ከምቲ ምስቶም ኣብ ሓመልማሎ ስፊሮም ዘለዉ ዝመሳሰሉ መንእሰያት ነቊጦም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ናይዞም ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራ ሰፊሮም ዘለዉ መንእሰያት ዕላማ፡ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ምስ ወሰዱ ኣብ ስሩዕ መዛግብ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ክስለፉ እዮም ዝብል ግምት ከም ዘሎውን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።

Last modified on Monday, 22 June 2020 10:29